ኩሎም ወገናት ኲናት ትግራይ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ብውድብ ሕቡራት ዝካየድ ዘይሻራዊ ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ብምድጋፍ፡ ተሳትፎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተቓዊሞም።

እቲ ትማሊ ኣማስዩ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብ ከይዲ ምጽራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ከምዝተሓባበር ብምግላጽ፡ "እንተኾነ፡ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን እቲ ኮሚሽነርን ኣብቲ መርመራ ዝህልዎም ግደ ኣትሪርና ንቃወም" ኢሉ።

እቲ መግለጺ፡ ወሲኹ'ውን እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ ገበናት ኣብ ምሽፍፋን፣ መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ምስዋርን ከምዝሳተፍ፡ ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ከም ርክብ ህዝቢ ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ይኸስስ። እቲ ኮሚሽን ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽነሩ ብቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቕራቢነትን ዝሽወምን፡ እቲ ኮሚሽን ብመንግስታዊ ባጀት ዝመሓደርን እንተኾነ'ኳ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብዘይሻራዊነት ዝካተትል ሙሉእ ናጽነት ዘለዎ ትካል ምዃኑ ይገልጽ።

ብኹሎም ተነሓናሕቲ ወገናት ኲናት ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቓ።

ሚሸል ባቸለት፡ ውጽኢት ናይቲ ብምትሕብባር ንሳ ትመርሖ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ውሱን መራመራ ምዝዛሙ ኣመልኪታ እያ መግለጺ ሂባ።

ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓበበርቶምን፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ቅትለት፥ ጾታዊ ዓመጽ፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ምፍንቓልን ምቕያድ ሲቪላውያንን ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ።

ሓይልታት ትግራይ'ውን፡ ህጻናት ከምዘዕጠቑ፣ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ንሲቪላውያን ከምዘጥቅዑን ሰፊሕ ምፍንቓልን ከምዘስዓቡ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

ውጽኢት ጸብጻብ፡ እቲ ካብ ግንቦት 16 ክሳዕ ነሓሰ 20 ዝተኻየደ ሓበራዊ ምጽራያት፡ 1 ሕዳር 2021 እዩ ዕላዊ ክኸውን ተባሂሉ።

እቲ ዝተኻየደ ሓባራዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ምብራቕን ደቡብን ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ከባብታት ውቕሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ ቦራ፣ ዳንሻ፣ ሑመራን ምይካድራን ዝሸፈነ ኮይኑ፡ ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ሰፊሕ ግፍዒ ከምዝተፈጸመሎም ብነበርቲ ዝንገረሎም፡ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም እትርከቦም ማእከላይ ዞባን ምብራቕ ዞባን ትግራይ 'ብሰንኪ ጸጥታዊ ብድሆታት' ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ተገሊጹ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ኣክሱም ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ከም ዝኣከበ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኤርትራ ብወገና ነቲ ዝቐረበላ ክሲ ምንጻጋ ይዝከር።

"እቶም ዝተኣከቡ ሰነዳት ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ግዱድ ምስዋርን ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ግልጺ ዝገብሩ'ዮም" ትብል ባቸለት።

ኩሎም ወገናት፡ ብዘይቅድመኩነት ተጻብኦታት ብምቁራጽ፡ ነባሪ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዓ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኑ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ ምትንታን ከም ዘሎ ብምግላጽ ብመሰረት ክልቲኦም ትካላት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ወግዓዊ ከም ዝኸውን ገሊጹ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ንኣዋጅ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ መንግስቲ ፌደራል ስዒቡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ውሑስ ኩነታት ተፈጢሩ እኳ እንተነበረ፡ ብምኽንያት ህወሓት ዘቕረቦ ቅድመ ኹነትን እቲ ጎንጺ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምስፍሑን ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠር ምኽንያት ከም ዝኾነን ገሊጹ።

"ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝቐርብ ዘሎ ድሩት ናይ ልዝብ ድልየትን ጻዕሪ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተበባዕ'ዩ፤ እንተኾነ ዓለምለኻዊ መሓዙት ኢትዮጵያ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ሃናጺ ተራ ዝህልዎ ንታሪኽን ዝተሓላለኸ ኩነታት እቲ ግጭትን ዘለዎም ኣረዳድዳኣ ኣብ ግምት ዘእተወ ምስ ዝኸውን እዩ።

"ኣባላት እዚ ቤት ምኽርን ማሕበረሰብ ዓለምን ሕጂ'ውን ንስቓይ ኢትዮጵያውያን ፍታሕ ዝህብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ" ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ህዝብን ኣፍሪቃ ብወገኑ ብውልቁ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታት መጽናዕቲ ከም ዘካየደ ብምግላጽ ኣብቲ ጎንጺ ሓይልታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝተሳተፉሉ'ዩ ኢሉ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ግን እቲ ኮሚሽን ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣፍልጦ መንግስቲ ዘይረኸበ'ዩ ብምባል ከም ዘይቕበሎ ገሊጹ።

መንግስቱ ነቶም ዝቐርቡ ክስታት ብውነ ወሲዱ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ብምግላጽ፡ ውጽኢታት እቲ ሓበራዊ መጽናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ስበኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ተቐቢሉ ነቶም መንግስቲ ዝወስዶም ስጉምታት ሓጋዚ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር እቲ መጽናዕቲ ነቶም ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብሓይልታት ህወሓት ተፈጺሞም ዝብሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘየካተተ ምዃኑ ጸብጻብ እቲ መጽናዕቲ ሙሉእ ምስሊ ዝህብ ኣይኸውንን ኢሉ።

እታ ኮምሽነር ካብዚ ብተወሳኺ እንታይ ኢላ?

እታ ኮምሽነር ኣብ ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ይፍፀሙ ኣለዉ ብዛዕባ ዝተብሃሉ ግህሰታት ነቲ ጉባኤ መብርሂ ሂባ።

ሓይልታት መንግስቲ መሻርኽቱን ብዙሓት ግህሰታት ምፍፃሞም ቀፂሎም ኣለዉ ዝብሉ ፀብፃባት ይወፅኡ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብዚ ቅነ ዝርብሹ ፀብፃባት በፂሖምና ኢላ።

ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ኣብ ሞንጎ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ኣብ ዝሳገር ሩባ ደንደስ ብዙሓት ሬሳታት ብገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተረኸቡ ገሊፃ።

ገሊኦም ብጥይት ዝቖሰሉን ኢዶም ንድሕሪት ኩሩንኩሪት ዝተኣሰሩን ምዃኖም ብምሕባር፡ እዚ ድማ ቅድሚ ምቕታሎም ስቓይን ግፍዕን ከምዝበፅሖም ዘመላኽት እዩ ኢላ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወግዓዊ ኣብ ዘይተገበሩ ከባብታት መጠነ ሰፊሕ ማእሰርቲ ተጋሩ ይፍፀም ኣሎ ክትብል'ውን ከሲሳ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ብብሄሮም እናተፈለዩ፡ ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተኣሰሩን ካብዚኦም ብኣማኢት ዝኾኑ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እንትኾኑ፡ ብዙሓት ትካላት ንግዶም ከምዝተዓፀዉ ሓበሬታ በፂሑና'ዩ ኢላ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ "ብገበን ተጠርጢሮም" ብዝብል ብዛዕባ ዝተኣሰሩ ተወልድቲ ትግራይን ምዕፃው ትካላት ንግድን፡ ብዙሕ ጥርዓናት በፂሑኒ ኢሉ ኔሩ።

ኣብ ቀይዲ ካብ ዘለዉ ተወልድቲ ትግራይ እቶም ዝተወሰኑ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከቡ ወተሃደራዊን ካምፕታት ፖሊስን ከምዝተወሰዱ፡ ምስ ስድርኦምን ጠበቓታቶምን ዘይተራኸቡን ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረቡ ከምዘለዉን ንምፍላጥ ከምዝኸኣለ'ውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

ባቸለት ሕዚ'ውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብናይ ፅልኢ ዘረባታትን ኣድልዎን ዝተመልኡ ዘረባታት ይስምዑ ከምዘለዉን ከምዚኦም ዓይነታት ተረኻት ታይ ዓይነት ሓደጋ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ካብ ታሪኽ ምምሃር ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ኣብ ትግራይ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈፂሞም ንዝተብሃሉ ሓይልታት ኤርትራ ተሓታትነት ክሰፍን ድማ፡ ፃውዒታ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቕሪባ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ምእታዎም ስዒቡ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈፂሞም ዝብሉ ፀብፃባት ከምዝበፅሓ ነቲ ጉባኤ ኣብሪሃ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ክልል ዓፋር ቀበሌ ጋሊኮማ፡ ሓይልታት ትግራይ ብኣብዝሓ ደቂኣንስትዮ፣ ህፃናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣብ ዘፅልሉ መዓስከር ጥቕዓት ፈፂሞም ዝብል ሪፖርት ተጌሩ ኢላ።

እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ሬዳ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንዝብል ክሲ ነፂግዎ ኔሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብ5 ነሓሰ 2021 ኣብ ልዕሊ ወታሃደራቶም፡ ጋሊኮማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ መጥቃዕቲ ከፊቶም ከምዝነበሩን '' ንፅጉማት ዝተዳለወ ቐረብ ዝሓዘ መኽዘን መንግስቲ ኣቃፂሎም ከይዶም'' ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊፁ፡፡

ነቲ ተፈፂሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ንምፅራይ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም ክሰርሑ ፍቓደኛታት ከምዝኾኑ ምፍላጡ ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ፡ ህፃናት ከምዘዕጠቑ፣ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ንሲቪላውያን ከምዘጥቅዑን ሰፊሕ ምምዝባልን ከምዘስዓቡ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ ሓቢራ።

እቲ ኲናት ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፡ ናብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይልሕም ከም ዘስግኣ ኮሚሽነር ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባቸሌት ተዛሪባ።

ዝተቐመጡ መፍትሕታት

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ፡ ሃገራውያንን ሕጋውያንን ትካላት እታ ሃገር ዋላ'ኳ ፍፁም እንተዘይተብሃላ ናይታ ሃገር ቅልውላው ሰብኣዊ መሰል ንምፍታሕን ነቲ ኵናት ዘላቒ ፍታሕ ምንዳይ ከምዝኽእላ፡ ተሳተፍቲ እቲ ኵናትን ዓለምለኸ መሻርኽቲ ክርድኡ ይግባእ ኢሉ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፈትሑ ዝፍትኑ ዓለምለኸ መሻርኽቲ ትርጉም ዘለዎን ሃናፅን ግደ ክህልዎም እንተደልዮም፡ ኩሉ ግዘ ናይዚ ሕልኽላኽ ፖለቲካዊ ቅልውላው ታሪኽ ሙሉእ ግንዛበ ሃልይዎም ክሰርሑ ኣለዎም ኢሉ።

ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት ብወገና፡ ኣብ ትግራይ ምቁራፅ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽንን ኢንተርኔትን ከምኡ'ውን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ከምዝተቛረፀ ብምዝኽኻር፡ ሕዚ'ውን ዓለም ለኻውያንን ኣህጉራውን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ክበፅሑ ከምዝግባእ ገሊፃ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ንዘሎ ሕድሕድ ጎንፂ ንምግታእ፡ ተወሳኺ ፃዕሪ ከምዘድሊ ዝሓበረት ባቸለት፡ ናይዚ ምላሽ ወተሃደራዊ ክኾን ኣይኽእልን ኢላ።

ኣብ ትግራይ ንዝተወልዐ ኵናት ብፖለቲካዊ ከይድን ልዝብን ጥራሕ ከምዝኾነን፡ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ነቲ ኵናት ብዘይ ቅድመ ኩነት ደው ከብሉን ንዘላቒ ተኹሲ ደው ንምባል ክላዘቡን ድማ ፀዊዓ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምልሓሙ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓፋር ከምዝወጹን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎን ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይንገር። ሚልዮናት ድማ ኣደዳ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ዓጸቦን ክኾኑ ተገዲዶም ኣለዉ።

ኣብቲ ፈለማ ኣዋርሕ ናይቲ ኲናት ጥራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ።