ናይጀርያ፡ ዕጡቓት ኣስታት 240 እሱራት ኣህዲሞም

ሽጉት ዝዓጠቐ 'ኦፊሰር'

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

ኣብ ናይጀርያ ዞባ ኮጊ፡ ብሰንበት መንነቶም ዘይተፈለጠ ዕጡቓት ንሓደ ቤት ማእሰርቲ ብምጥቃዕ ኣስታት 240 እሱራት ከምዘህደሙ ሰብ መዚ እቲ ዞባ ገሊጾም።

ኣብታ ብብዙሕ ጉድለት ናይ ጸጥታ ትሕመስ ዘላ ናይጀርያ፡ እሱራት ብጅምላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ኣብዚ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መንነቶም ዘይተፈለጡ እሱራት፡ ንቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብነታጒ ብምፍንጃር ነቲ ናይ መህዳም ስርሒት ከምዝፈጸምዎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ክፍሊ ኣገልገሎት ተሃድሶ ናይጀርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ዕጡቓት ምሉእ ኣጽዋር ዓጢቖም ከምዝነበሩን ምስቶም ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ቶኵሲ ከምዝተለዋወጡን ሓቢሩ።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከብቶም ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክልተ ከምዘተቐተሉ ክገልጹ እንከለዉ እዚ ግን ብሰብ መዚ ናይጀርያ ኣይተረጋገጸን።

ክንደይ እሱራት ከምዝሃደሙን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለ ንምልላይን መርመራ ይካይድ ምህላዉ ሰብ መዚ ናይጀርያ ገሊጾም።

ኣብ ወሰን ጽርግያ ንከተማታት ካባን ሎኮጃን ዘራኽብ መስመር ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ 294 እሱራት ከምዝነበሩን መብዛሕትኦም ካብቶም እሱራት ናይ ፍርዲ መስርሕ ዝጽበዩ ምንባሮምን'ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐሱ ቦኮ ሓራም ዝብሃሉ እስላማውያን ዑጡቓት፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምውራር ብዙሓት እሱራት ነጻ ከውጽኡ ተራእዮም እዮም።

እቶም ኣብ ካባ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ኸኣ መብዛሕትኦም ምስ ቦኮ ሓራም ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ እዮም። እንተኾነ ሰብ መዚ ናይጀርያ ነቲ እሱራት ናይ ምህዳም ስርሒት ብበኮ ሓራም ከምዝተፈጸመ መረጋገጺ ከምዘይረኸቡ'ዮም ዝሕበሩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ኦውሪ 1800 እሱራት ብዕጡቓት ነጻ ከምዝወጽኡ ይዝከር።

Map