ርዋንዳዊ በዓል ሃፍቲ ኣብ ሞዛምቢክ ብጥይት ተቐቲሉ

ርዋንዳዊ በዓል ሃፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Revocant Karemangingo

ርዋንዳዊ በዓል ሃፍቲ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ዝኾነት ማፑቶ ሒደት ኪሎሜትራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ማቶላ ዝተብሃለት ከተማ ብጥይት ተቐቲሉ።

ርቮካንት ካረማንጊንጎ፡ ካብ መንበሪ ገዝኡ 50 ሜትሮ ርሒቑ እዩ ትማሊ ሰኑይ ተቐቲሉ።

ንሱ፡ ብሰለስተ መኪና ተጻዒኖም ዝመጽኡ ዕጡቓት እዮም ተኹሲ ከፊቶምሉ ተባሂሉ።

መንነት እቶም ቀተልቲ ኮነ፡ ምኽንያት እቲ መቕተልቲ ዛጊድ ዘይተፈልጠ እንትትኸውን፡ እቲ ገበን ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝነብሩ ማሕበረሰብ ርዋንዳ ኣደንጊጽዎም ይርከብ።

ፖሊስ ናይ ፎረንሲክ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕን ኣብ ምጽራይን ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ኣስከሬን ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ተባሂሉ።

ገለ ርዋንዳውያን፡ እቲ ዝተቐትለ፡ ንመንግስቲ ርዋንዳ ዝቃወም ኮይኑ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዒላማ ካብ መንጎ ዝኣተዉ ሰባት ሓደ እዩ ነይሩ ክብሉ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።

ማሕበር ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ርዋንዳውያን፡ እቲ ውልቀ ሰብ ስደተኛ ኾይኑ ኣብ መሸጣ መድሓኒት ዝነጥፍ እዩ ኢሎም።

ብመንግስቲ ርዋንዳ ድማ ክድለ ዝጸንሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ 2019 ለዊስ ባዚጋ ዝተብሃለ ካልእ ርዋንዳዊ ብተመሳሰሊ መገዲ ከምዝተቐትለ ይዝረብ።

መንግስቲ ርዋንዳ፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ኮይኖም ንዝቃወምዎ ሰባት ይቐትል እዩ ዝብል ክስታት ዝቐርበሉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ነቲ ክሲ ኣይቅበሎን።