ኢትዮጵያ፡ ርግኣት ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንምምላስ ዝግበሩ ጻዕርታትን ግድላትን

የቤንሻንጉል ክልልን የሚያሳይ ካርታ
መግለጺ ስእሊ,

ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዘርኢ ካርታ

10 ጉንበት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ግልገል በለስ፡ ኣብ ሞንጎ ርእሰ ምምሕዳር እታ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ተወካሊ ዕጡቕ ጉጅለ ጉሙዝ ኣይተ ጀግናማው ማንግዋን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም፡ ንብዙሓት ኣብቲ ክልል ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ኣብቒዑ'ዩ ዝብል ተስፋ ዝሃበ ነይሩ።

እዚ ስምምዕ ብመንግስቲ ኮነ ብወገን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተቐመጡ ግቡኣት ንምፍፃምን ሰላም ንምምፃእን ብዝብል ክልቲኦም ኣካላት ክታሞም ኣንቢሪን።

ኣብቲ ክልል፡ ህድእ እናበለ ፀኒሑ ብዝደግስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት "ዝፍፀም መጥቃዕቲ" ግን ንነበርቲ እቲ ክልልን ካብቲ ክልል ወፃኢ ንዝነብር ሰብን ንሕልና ዝርብሹ ዜናታት ምውጽኦም ኣይተረፈን።

ንምዃኑ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጎንፂ እንታይ ይፍለጥ?

እቲ ክልል ብሰለስተ ዞባታት፡ ካማሺ፣ መተከልን ኣሶሳን ዝቖመ ኮይኑ፡ ዞባ መተከል ግድብ ሕዳሰ ዝርከበሉ ወረዳ ጉባ ሓዊሱ ኣብ ውሽጡ ሸውዓተ ወረዳታት ዝሓዘ ሰፊሕ ዞባ'ዩ።

እዚ ዞባ ምስ ክልል ኣምሓራን ሃገረ ደቡብ ሱዳንን ዝዋሰን ኮይኑ ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ዝፍፀመሎም ወረዳታት ቡለን፣ ድባጤ፣ ወንበራ፣ ፓዌ፣ ዳንጉርን ማንዱራን ሓቚፉ ኣሎ።

እቲ ምስ ክልል ኦሮምያ ዝዋሰን ዞባ ካማሺ ድማ ዋላ'ኳ ካብ መተከል ዝሐሸ ሰላም እንተሃለዎ ብዙሓት ሲቪላት ብዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ክርዕዱ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝሕብሩ ፀብፃባት ተሰሚዖም።

ኣብ ዞባ ኣሶሳ ዝነብሩ ሲቪላት'ውን፡ ካብዞም መጥቃዕትታት ኣየምለጡን።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ወረዳ ኦዳ ቡልድግሉ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብኣብነት ይጥቀስ። በቶም መጥቃዕትታት ህይወት ብዙሓት ከም ዝጠፍአ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ክልል ዝነብርን፡ ንዓመታት ነቲ ጎንፂ ክከታተል ዝፀንሐን ንድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዘይንፀርሖ ተመራማሪ፡ ነዞም መጥቃዕትታት ዝፍፅም ዕጡቕ ጉጅለ ክልተ እዝታት ከም ዘለውዎ ንቢቢሲ ይዛረብ።

ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ከባቢ ወረዳ ጉባ ዝርከብ ሓደ ክንፊ "ሻባን" ብዝበሃል ውልቀሰብ ይምራሕ ተባሂሉ ከም ዝእመን እዚ ምንጪ ይዛረብ።

እቲ ካልኣይ ክንፊ ድማ ኣብ ከባቢ ወረዳ ቡለን ዝርከብ ኮይኑ እዚ ክንፊ፡ ሰላም ንምውራድ ምስ መንግስቲ ተሰማሚዑ፤ እቲ ኣብ ጉባ ዝርከብ ክንፊ ግና ነቲ ስምምዕ ከይተቐበለ ተሪፉ ይብል።

እንተኾነ፡ እዚ ብልሙድ "ዕጡቕ ጉሙዝ" ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉጅለ ምስ ካልኦት ዕጡቓት እንትነጻጸር ብርቱዕ ሰንሰለት፣ ደምቢ ኽዳን ከምኡ'ውን ፍሉይ መፀውዒ ከም ዘይብሉ'ዩ ዝግለፅ።

ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንኣዋርሕ መፅናዕቲ ዘካየደ ካልእ በዓል ሞያ ድማ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ጉባ ዘሎ ጉጅለ ካብ ካልእ ከባቢ ዝበለፀ መሓውር ዘለዎን፡ ብኣንፃሩ ኣብ ካማሺ ዝርአ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ድማ፡ "ማሕበረሰባዊ ጎንፂ (ኮሚውናል ቫዮለንስ) ዝመስል መልክዕ" ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ኣብ ካማሺ ብፍላይ ድማ ኣብ 2011 ዓ.ም፡ ኣዝዩ ተጋዲዱ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ምቁፅፃር ዝተኽኣለ'ውን ነዚ ይመስለኒ። ኣብ ክልቲኦም ማሕበረሰባት (ጉምዝን ኦሮሞን) ኣብ ሞንጎ ሽማግለታት ዝተገበረ ዕርቂ ዝተወሰነ ውፅኢት ኣምፂኡ'ዩ" ይብል።

ብ15 መስከረም 2011 ዓ.ም ኣርባዕተ ኣመራርሓ ዞባ ካማሺ፡ ነቲ ኣብ ኣሶሳ ዝተኻየደ ኣኼባ ወዲኦም ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ መቀቢላ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉን ይጓዓዙለን ዝነበራ መካይን'ውን ከም ዝተቓጸላን ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዞባ ካማሺ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ለካቲት 2011 ዓ.ም ጥራሕ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ልዕሊ 200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ድሕሪኡ ግና እቶም ጎንፅታት ህድእ ከም ዝበሉ እቲ ምንጭና ይሕብር።

ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ሰላም እንታይ'ዩ?

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ጉንበት ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዘለዎም 11 ነጥብታት ዝሓዘ'ዩ።

ብመሰረት እዚ ኣባላት እቲ ጉጅለ ዕጥቆም ብምፍታሕ መንግስቲ ዝህቦ ስልጠና ምስ ዝውድኡ መንበሪ ገዛ ዝሰርሕሉ መሬት ሓዊሱ ኣብ ዝመረጹዎ ዘፈር ስራሕ ንክዋፈሩ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዝገብረሎም እቲ ስምምዕ የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ወረዳ ኣብ ዘሎ መሓውር ዝተፈላለዩ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ንክረኽቡ ከም ዝግበር ተገሊፁ።

ብመዳይ ፀጥታ'ውን ልምዲ ዘለዎም ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ሰልጢኖም ናብ ሓይሊ እቲ ክልል ክፅንበሩ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ተበፂሑ።

ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ክልል ቤንሻንጉል ኣይተ ኣብዮት ኣላባሮ፡ "እቲ ዓብይን ብናቶም ወገን ትፅቢት ዝግበረሉ፡ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ዕጥቆም ምፍታሕ'ዩ። ዕጥቁ ፈቲሑ ዝመፅአ ሓይሊ ምኽንያት ሞት ዜጋታትን ምምዝባልን ክኾን የብሉን ዝብል ትኹረት ዝተውሃቦ ቀንዲ ኣካል እቲ ስምምዕ ነይሩ" ይብል።

ከም ኣገላልፃ እቲ ሓላፊ፡ ብወገን መንግስቲ ድማ እቶም ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ናብራ ክፅንበሩ ብቁጠባ ናይ ምውዳብን ምጥያሽን ስራሕ ግቡእ ኣለዎ።

ነዚ ድማ ዝተመረፁ ዓውድታት ሕርሻ፣ ዕደና፣ መስኖ፣ ምርባሕ እንስሳት ከምኡ'ውን ኣብ ጥቕዓት ደቂኣንስትዮን ደቀቕትን ኣናእሽተይን ወዲቡ ናብ ስራሕ ምእታው ዝብል ከም ዝኾነ ይዛረብ።

ቢቢሲ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ስልጣን መንግስቲ ረኺቦም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ሕዚ ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ንዝለቐቐን ውልቀሰብ ኣዛሪቡ'ዩ።

ብዛዕባ እቲ ስምምዕ እንትዛረብ፡ "እቲ ተፈሪሙ ዝነበረ ስምምዕ ኣብ ፍሉይ ሓይሊ፣ ንግዲ፣ ፖሊስን ኣብ ኣመራርሓ ናይ ስራሕ (ስልጣን) ምድብ ኣብ ምርካብ ዘድሃበ ነይሩ" ይብል።

ትግበራ እቲ ስምምዕ

ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ክልል ቤንሻንጉል ኣይተ ኣቢዮት ኣላባሮ፡ ዛጊድ ብኽልተ ዙርያ ልዕሊ 2500 ዕጡቓት ስልጠና ተሓድሶ ወሲዶም'ዮም ኢሉ።

ነዚ ጉዳይ ዝከታታል ቤት ፅሕፈት ድማ ተጣይሹ። ብተወሳኺ፡ ንሱ ዝመርሖ ዓብይ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣፈፃፅምኡ ይመርሕ ከም ዘሎ ይዛረብ።

"ብወገን መንግስቲ ዝበዝሕ ሕቶ ምላሽ ረኺቡ'ዩ። ሕቶታት ቁጠባ ዝምልከት ግና፡ ድሌቶም ተወሲዱ ዘድሊ ዕድጊት ንዋት ብመንግስቲ ክፍፀም ኣብ ከይዲ'ዩ ዘሎ" ብምባል ኣይተ ኣብዮት የረድእ።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ተመሊሶም ናብ ጫካ ዝኸዱ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግና በዚ ኣይሰማማዑን፤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ስልጠና ተሓድሶ ምውሳዶም ይዛረቡ።

"መንግስቲ ይፃወት እዩ ዘሎ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ግልገል በለስ ነይረ። ካብኡ ሰባት እንትቕተሉ እንትንርእይ ተመሊስና ናብ ጫካ ኣቲና" ይብል።

በዚ ድማ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ከም ዘይኾነ ብምግላፅ፡ "ክሳብ ሕዚ ኣብ ናትና ወረዳ ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ'ዮም ተሾይሞም። ንዓና ቃልና ዝተኣወልና ኩሉ ንክወሃብ ኢና ንደልይ። መንግስቲ እቲ ክልል ግና " ደሓረ ደሓረ" ዝብል መልሲ'ዩ ዝህብ" ብምባል ቅረትኡ ይገልፅ።

ኣይተ ኣዮት ኣላባሮ ግን ብፍላይ ቁጠባዊ ሕቶታት ንምፍፃም ልዑል ባጀት ከም ዝሓትትን፡ ብባጀት እቲ ክልል ጥራሕ ከም ዘይከአልን ይዛረብ።

ብምኽንያት እዚ ፕሮጀክት ተቐሪፁ መንግስቲ ፌደራል ድጋፍ ገንዘብ ንኽገብር ሕቶ ከም ዝቐረበን እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንክኸውን መንግስቲ ይሰርሕ ከም ዘሎን ይሕብር።

ነዞም ፕሮጀክታት ንምስኻዕ ካብ 300 ክሳብ 500 ሚልየን ብር ከም ዝሓትት ኣይተ ኣብዮት ተዛሪቡ።

"ነቲ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ምስ መፅኡ፡ መንግስቲ ቃሉ ኣይፈፀመን እሞ ናብ ጫካ ክንምለስ ኢና ዝብል እንተልዩ፡ ሽፍትነት ስለ ዝደልይ'ዩ ዝብል ድምዳመ'ዩ ዝህልዎ" ይብል።

እቲ ናብ ጫካ ዝተመለሰ ውልቀሰብ ግና፡ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ካብ ዘይምዃን ብዝዘለለ ስግኣት ድሕንነት ከም ሓደ ምኽንያት የልዕል።

ሸሪፎ ኣደምን ግዱ ዳኘውን ዝተባህሉ ውልቀሰባት ከም ኣብነት ብምልዓል፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ሓላፍነት ድሕሪ ምርካቦም ከም ዝተቐተሉ ይገልፅ።

ኣይተ ኣብዮት፡ "ቅትለት ኣይተፈፀመን። ብፍፁም ምሕብሓብ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ይግበር ኣሎ። እንተኾነ ናብ ሽፍትነት ተመሊሶም፡ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ እንተልዮም፡ መንግስቲ ስጉምቲ ዘይወስደሉ ምኽንያት የለን" ክብል ተዛሪቡ።

ቢቢሲ፡ ንክልተ ነበርቲ ከተማ ቡለን ነቲ ስምምዕ ሰላም ከመይ ርኢኽሞ ኢሉ ዝሓተተ እንትኾን፡ ሕዚ እውን ቅትለታት ከም ዝቐፀሉን ገለ ብሹመት ዝመፅኡ ዕጡቓት፡ ቅድሚ ሕዚ ንፍሉጣት ሰባት ዝቐተሉ ምዃኖም ቅረታ ከም ዘሕደረሎም ይዛረቡ።

"ሕዚ ይበፅሕ ብዛዕባ ዘሎ ስቓይ ክንዛረብ ንፈርሕ ኢና። ንሰራዊት ምክልኻል'ውን ንምዝራብ ንፈርሕ ኢና። ሕዚ'ውን በብመዓልቱ ሰብ ይመውት። ንስኹም 10 ወይ 20 ሰብ እንትሞት'ዩ። ንሕና በዓልና ሎሚ ወይ ፅባሕ ንሙት ኣይንፈልጥን" ብምባል ስግኣቶም ገሊፆም።

ሓደ ኣብ መንግስታዊ ትካል ዝሰርሕ ምንጪ ድማ፡ ኣብ ወረዳ ቡለን ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ፣ ኣፈጉባኤ ባይቶ እቲ ወረዳ ከምኡ'ውን ኣፈጉባኤ ቤት-ማዘጋጃ እቲ ከተማ ተሸይሞም ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።

ሕዚ ግና፡ ኣርባዕቲኦም ተመሊሶም ናብ ጫካ ከም ዝኸዱ ገሊጹ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣማሓዳሪ ዞባ መተከል ንምፅራይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ተሳትፎ ካልኦት ክልላት ኣብ ምርግጋዕ እቲ ክልል

መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ክሳብ ሕዚ ምስ ሰለስተ ክልላት፡ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ስምምዕ ተፈራሪሙ'ዩ።

ንሳቶም'ውን ክልላት ጋምቤላ፣ ኦሮምያን ኣምሓራ እዮም።

ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ እንታይ ከም ዝመስል ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣይተ ኣብዮት፡ "ምስ ጎረባብቲ ብሓባር ናይ ምልማዕ፣ ስራሕቲ ሰላም ብሓባር ምዕማምን ህዝቢ እቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ረኺቦም ንክሰርሑ ዝዓለመ'ዩ" ይብሉ።

ኣብ ኩለን ክልልላት፡ እዞም ስምምዓት ዘፈፅሙ ኣብያተ ፅሕፈት ተጣይሾም ኣብ ሰላምን ተጠቃምነት ሓበራዊ ልምዓትን ክሰርሑ'ዮም ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብተወሳኺ፣ ሓይልታት ሲዳማን ክልል ደቡብን ኣብቲ ክልል ከም ዝተዋፈሩ ገሊፁ።

እዞም ሓይልታት ኣብቲ ክልል ብዝተጣየሸ እዚ ማእኸል (ኮማንድ ፖስት) ዝእዘዙን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ ይብል።

ቀፀልቲ ስግኣታት

መንግስቲ እቲ ክልል እቲ ስምምዕ፡ ተዛማዲ ሰላም ከም ዘምፀአ እዩ ዝኣምን።

እቶም ዕጡቓት ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንክዋፈሩ ቀዳማይ ኣማራፂ'ምበር ብሕታዊ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለዎ።

"ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፡ ነቲ ፃውዒት ሰላም ኣብ ልዕሊ ዘይተቐበሉ ኣካላት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ከባቢ ካብ ፀረ ሰላም ሓይልታት ምፅራይን ሰላማዊ ምግባር" ካልእ ኣማራፂ ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ እቲ ክልል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብተደጋጋሚ ዕጡቓት ጉምዝ ካብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ካብ ካልኦት ከባብታት ብሰፈራ ዝኸዱ ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ ምውፃእ ዕላማ ኣለዎም ዝብል ክሲ ከም ዝቐርበሎም ብምልዓል፡ "ዕላማ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እንታይ'ዩ?" ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሉ።

"ናትና ሓሳብ ኣድሎኣዊ ኣሰራርሓ ደው ንክብል'ዩ። ንሕና ማንም ካብ ቤንሻንጉል ይውፃእ ዝብል ሓሳብ የብልናን። ሓቢርና ንክንሰርሕን፡ ኩላትና መዓረ ተረባሕቲ ክንኾን ኢና ንደልይ። ስራሕ ክንሰርሕ፣ ጎንፂ ከይህሉ ከምኡ'ውን ሰላም ክመፅእ እዩ ድሌትና። ሓቢርና እንተሰራሕና ገበን ድዩ?" ብምባል ነቲ ክሲ ይነፅጎ።

እዚ ሓሙሽተ ወርሒ ዘቑፀረ ስምምዕ፡ ብፍላይ ንነበርቲ ክንድ እቲ ትፅቢት ዝተገበሮ ለውጢ ኣየምፀአን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ከተማ ኣሶሳን ቡለንን ዝነብሩ ውልቀሰባት፡ እቲ ፀገም ፀጥታ ኣብ ኣካልን ህይወትን ካብ ዘስዕቦ ስግኣት ብዝዘለለ ናብራ ክኸብር ከም ዝገበረ ይገልፁ።

ናብቲ ክልል ዝወስዱ መገድታት ብሰንኪ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተዘዋዊርካ ምንጋድ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናብራ ምኽባድ ተወሲኽዎ፡ ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ፀገም ይፈጥር ከም ዘሎ ይዛረቡ።

ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ፡ እዚ ስምምዕ ዝኸደሉ መገድን ሒዝዎ ዝመፅእ ለውጥን እንተልዩ ንምርኣይ፡ ብተስፋ ከም ዝፅበዩ ይገልፁ።