ሱዳን፡ መንግስቲ ኣብቲ ዝፈሸለ ዕልዋ ምስ ዑመር ኣልበሽር ርክብ ኣለዎም ንዝበሎም ነቒፉ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምዶኽ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምክትል ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዝኾነ ጀነራል ጠንቂ ናይቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ፖለቲከኛታት'ዮም ክብል ተዛሪቡ።

"ቀንዲ ጠንቂ ዕልዋታት ፖለቲከኛታት'ዮም፡ ምኽንያቱ ንተራ ዜጋታት ሸለል ስለዝብሉ . . . ዘገድሶም ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ቃልሲ'ዩ" ክብል እቲ 'ሕመቲ' ብዝብል ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ ከምዝተዛረበ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

"እዚ ኣብ ዜጋታት ዘይዕግበት ፈጢሩ'ሎ" ድማ ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ መርየም ኣል-ሳዲቕ ብወገና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ብታሕተዎት መኮንናት ዝተፈተነ ዕልዋ ከምዘበርዓኖን እዚ ድማ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ዘለዎ ምእዙዝነት ዘርኢ'ዩ ክትብል ገሊጻ።

እቶም ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝወደቡ መኮንናት ንመደበር ዜና መንግስቲ ብምቁጽጻር፡ ብወተሃደራዊ ሙዚቃ ዝተሰነየ መግለጺ ክህቡ ከምዝፈተኑ'ውን እታ ሚኒስተር ጠቒሳ።

ጀነራል ዳጎሎ፡ ሓደ ካብቶም ምስ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮም መኮንናት ኮይኑ፡ ኣዛዚ ናይቲ ብተወርዋሪ ሓይሊ ዝፍለጥ ሚሊሻ እዩ። እቶም ንሱ ዝመርሖም ሓይልታት ኣብ ዞባ ዳርፉር ግፍዕታት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ዑመር ኣል-በሽር ድሕሪ ምእላዩ ሓይልታቱ ሓያሎ ፈተነታት ዕልዋ ከምዘበርዓኑ እቲ ጀነራል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሕመቲ)፡ መራሒ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ዝነበረ'ዩ

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ትማሊ ሰሉስ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ፕሬዝደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም "ናይ ጸልማት ሓይልታት" ዝተወጠነ ምዃኑ ከሲሱ።

"ተረፍ መረፍ እቲ ሕሉፍ ስርዓት ነቲ ስቪል ዴሞክራሲያዊ ስግግር ናይ ምትዕንቓፍ ሃቐነ ነይሩዎም" ክብል ቐዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶኽ ተዛሪቡ።

ነቲ ኩነታት ድማ፡ "ዝተዋደደ ፈተነ ዕልዋ" ክብል ገሊጹዎ።

እቲ ንሰለሳ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ነበር በሽር ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣለየ ይፍለጥ።

እቲ ናይ ሕጂ ምምሕዳር ስልጣን ንምምቕራሕ ዝተሰማምዐ ሰራዊት፣ ወኪላት ስቪላውያንን ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ጉጅለታትን ዘካተተ እዩ።

ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ንሰራዊት ሱዳን ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ምስቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዝፈሸለ ዕልዋ ብዝተኣሳሰር 21 ኣዘዝትን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራትን ተኣሲሮም ክብል እንከሎ፡ ካልኦት ጥርጡራት ንምሓዝ ዝግበር ኣለሻ ከም ዝቐጸለ ሓቢሩ።

ብሰሉስ ዝወጽኡ ዝነበሩ ጸብጻባት፡ ኣብ ካርቱምን ከተማ ዖምዱርማን ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረን እቲ ናብ ፈለግ ኒል ዘሳግር ቐንዲ ድልድል ከም ዝተዓጽወን ይሕብሩ ነይሮም።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ ኣብ ጥቓ ኣብ ዖምዱርማን ዝርከብ መኽዝን ታንኪ ዝኾነ ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ነይሩ ክብል ጋዜጠኛ መሓመድ ኣልኣሚን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር እቶም ፈተነ ዕልዋ ዝገበሩ ውዲተኛታት ፈሺሎም ክብል ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሓመዶኽ መንግስቱ "እቲ ዝተጀመረ ስግግር ንክቕጽልን ነዚ ስግግር ስግኣት ዝኸውን ዘሎ ሕሉፍ ስርዓት ጠቕሊሉ ንክፈርስን ተባዕ ስጉምቲ ክወስድ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ወሲኹ ንመዓልታት ኣብ ፖርት ሱዳን ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣካል ውዲት ምንዓብ እታ ሃገር ነይሩ ክብል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሞንጎ እቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ንምምላስ ክከታተል ሓላፍነት ዝተዋህቦ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ምስሕሓብ ከም ዝነበረ'ውን ይግለጽ።

በሽር ካብ ስልጣን ካብ ዘእለ ንድሓር ብርክት ዝበለ ፈተነ ዕልዋ ከም ዝተኻየደ ጸብጻባት ይገልጹ።

"ንድሕሪት ኣይንምለስን . . . እቲ ሕሉፍ ንክምለስ ዝጽዕሩ ሰባት ግን ኣለው" ክብል ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሃምዛ ባሉል ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ወሲኹ ኣንጻር ፕሬዝደንት ነበር በሽር ዝጀመሩ "እቶም ናይ ጸልማት ሓይልታት ነቲ ዝጀመርናዮ ለውጢ ዒላማ ገይሮም ነይሮም" እንተኾነ ኣካላት መንግስቲ ስግግር ሱዳን ናይ ምውሓስ መባእታዊ ሓላፍነት ኣለኩም ኢሉ።

ሕጂ እቲ ኩነታት "ኣብ ቁጽጽር" ኣትዩ'ዩ ክብል መንግስቲ ሱዳን ይገልጽ።

ካብ ካርቱም ምዃኑ ዝገልጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ወተሃደራት ዝጸዓና መካይን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ይረኣያ።

ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ሱዳን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መሰጋገሪ መንግስቲ ዓብደላ ሓምዶክ ትርከብ።

ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞታት ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ በሽር በቲ ኣብ 1989 ዝተኻየደ ዕልዋ ዝነበሮ ተራ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ይርከብ።

እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን በቀንዲ ዝተዋስኡሉ እዩ ነይሩ።

ሱዳን ኣብ ታሪኻ ካብተን ዝበዝሐ ዕልዋ ዝተኻየደለን ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ይፍለጥ።