ኣዛዚ ሰራዊት ኦነግ ዝነበረ ጎሊቻ ደንጌ ስለምንታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ?

ኣዛዚ ሰራዊት ኦነግ ዝነበረ ጎሊቻ ደንጌ

ምንጪ ስእሊ, OROMIA COMMUNICATION BUREAU

ኣብዚ ሰሙን ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ደቡባዊ ግንባር ዝነበረ ጎሊቻ ደንጌ ካብቲ ጉጅለ ተነጺሉ ናብ ሰላማዊ ህይወቱ ንምምላስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበጽሕ ሰብ መዚ ኦሮሚያ ተቐቢሎምዎ ተባሂሉ፡፡

ጎሊቻ ንዓመታት ናይቲ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕን መንግስቲ ግብረ ሽበራዊ ሸኔ ዝብሎን ሓደ ክንፊ እናመርሐ እዩ ጸኒሑ፡፡

ንሱ ኣብ እዋን መሪሕነት ኢህወዴግ፡ ኣንጻር እቲ ሽዑ ዝነበረ ምምሕዳር ን 27 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ፡፡

ሕጂ ድማ እዚ ኣዛዚ ንሰላሳ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፉ፡ ኣብ ሰላማዊ ናይ ፖለቲካ ቃልሲ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ገሊጸን ኣለዋ፡፡

ጎሊቻ ደንጌ፡ ብኸመይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ?

ጎሊቻ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፉ ናብ ሰላማዊ ህይወት ዝተመለሰ ኣብ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣፈላላኣት ስነ ምግባን መተሓዳደሪ ደንብን ስለ ዝተፈጠሩን እቶም ፍልልያት ሰፊሖም ክሳብ ፈተነ ቅትለት ዝበጽሕ ጸቕጢ ስለ ዝተገበረሉን ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡

ነቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ሓቢርካ ንምቅላስ ዝተበጸሐ ስምምዕ እውን ኣይቕበሎን፡፡

ካብ መሪሕነት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግንባር ደቡብ ካብ ዝእለ ሰለስተ ዓመታት ከም ዝገበረ ዝገልጽ ጎሊቻ፡ ካብቲ ዝመርሖ ሰራዊት ጸቕጢ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ይዛረብ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ሰራዊት ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ እንትኣቱ እውን "ናይ ገዛ መሓዩር እየ ነይረ" ብምባል ተገዲዱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ይዛረብ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

እቲ ዝተገበረሉ ጸቕጢ ን27 ዓመታት ካብ ዝጸንሐሉ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክወጽእ ገይሩኒ እዩ ይብል።

"ኣብ ኣካይዳ ኣይተሰማማዕናን፡፡ ኣብ ልዕለይ ከቢድ ጸቕጢ የሕድሩ ነይሮም፡፡ ፈተነ ቅትለት እውን ገይሮምለይ እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ኣመራርሓን ትኽክል ኣይኮነን፡፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እዚ ክዕረ ኣለዎ ኢለ እናተዛረብኩ ጸኒሐ እየ’’ ኢሉ፡፡

ምስቲ ዝመርሖ ሰራዊት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሽማግለታት ቦረና ዘካየድዎ ጻዕሪ እውን ከም ዘይሰመረ ወሲኹ ተዛሪቡ፡፡

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እንታይ ይብል?

ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ፡ ጎሊቻ ደንጌ ብምኽንያት ጸገም ጥዕና ካብ ሰራዊት ኣዛዚነት ካብ ዝለዓል ልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝገበረን፡ ምኽትሉ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ደቡባዊ ክንፊ እቲ ጉጅለ ክመርሕ ከም ዝተተከአን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡

ብተወሳኺ ጎልቻ ናይ ጥዕና ምምሕያሽ ምስ ኣርኣየ ብተደጋጋሚ ናብ ስርሑ ክምለስ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይተቐበለን ኢሉ፡፡

‘‘ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ- ናይ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሰራዊት ዝነበሮ ዘይምቅድዳው ምኽንያት ብምግባር ከይተሳተፈ ተሪፉ’’ ይብል እቲ መግለጺ፡፡

ጎሊቻ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ግን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ኦነግ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ከም ዝወሰነ ኣቃሊሐን፡፡

ንሱ እውን "ሰልፊ ኦነግ ብሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኑ ብሰላም ናብ ውሽጢ ሃገር ተመሊሱ እዩ፡፡ ዓበይቲ ተቓለስቲ ኦሮሞ እውን ብሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኖም ናብ ሃገር ተመሊሶም እዮም፡፡ ጎሊቻ እውን ብሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኑ ናብ ሃገር እንተኣተወ እንታይ ክፋእ ኣለዎ?’’ ክብል ይሓትት፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ "ውድባት ግብረ ሽበራ" ኢሉ ዝበየኖም ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም እዮም፡፡

ብህወሓት ዝዕብለል ኢህወደግ ንኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓደረሉ እዋን ኦነግ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ነይሩ፡፡

በዚ ድማ ምስቲ ውድብን ምንቅስቓስ እቲ ሰራዊትን ብዝተሓሓዝ ብዙሕ ጉድኣት ከም ዝበጸሖም ኣባላት እቲ ጉጅለ ይዛረቡ፡፡

ጎሊቻ ደንጌ ‘‘ዋላ'ኳ ኣብ ናይ መሪሕነት ቦታ እንተዘይነበርኩ እቲ ሰራዊት ምስ ህወሓት ሓቢሩ ንምስራሕ ምስምምዑ ብትሪ ይቃወም ነይረ’’ ኢሉ፡፡

‘‘ነቲ ሰራዊትን ነቲ ህዝብን ኣየዘራረቡን፤ እዚ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተቐባልነት የብሉን’’ ኢሉ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋን ብሰፊሑ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮምያ እዩ ዝንቀሳቐስ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ሰበ ስልጣን ሓዊሱ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል ሽሙ ብተዳጋጋሚ ይለዓል፡፡

ኣብ ቀረባ ድማ ናይ ጉጂን ቦረናን ኣባገዳታት ‘‘ሸኔ ናይ ኦሮሞ ጸላኢ እዩ’’ ኢሎም ኣዊጆም፡፡

እቲ ውድብ ቅድም ክብል ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ብናይ ቃልሲ ሽሙ ጃል መሮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩምሳ ድሪባ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ገይሩ ከም ዝሸሞ ገሊጹ ነይሩ፡፡