ኣብ መበል 76 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንታይ ተባሂሉ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብቲ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕትን ተወከልቲ ሃገራትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 76 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጠሙ ጎንጺታት፣ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልኦት ተኣፈፍቲ ጉዳያትን ይዝተየሎም ኣሎ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስመዐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ከም ትግራይን የመንን ዝተልዓሉ ጎንጺታት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ክተሓባበር ጸዊዑ፡፡
እቲ ፕረዚደንት ‘‘ኣብ ከም ኢትዮጵያን የመንን ዝበላ ሃገራት ዝተልዓሉ ጎንጺታት ካብ ምፍታሕ ንድሕሪት ክንብል የብልናን’’ ኢሉ።
ኣብዚ እዋን እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ሰላማዊ ዘተ ክመጹ ንምግባር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ማሕበረሰብ ዓለም ተስፋ ከይቖርጽ ክጸዕር ባይደን ጸዊዑ ኣሎ፡፡
‘‘ብሰንኪ ኲናት ጥምየት ይለዓል ኣሎ፡፡ ኣዝዩ ዘሰቅቕ መጥቃዕቲ ይፍጸም ኣሎ፡፡ መሰል ሰላማውያን ሰባት ይጠሓስ ኣሎ፡፡ ጾታዊ ጥቕዓት ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ’’ ክብል ኣብቲ ጉባኤ ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃን ነቲ ዝረኣይ ዘሎ ስቅያት ደው ንምባልን ሰላም ንምምጻእን ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ፡፡
እቲ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ክመልኦ ኢሉ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝበለዐ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ተፈናቒሎምን ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዖምን እዮም።
ኣመሪካ፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ሰላማዊ ዘተ ዘይመጹ እንተኾይኖም ማዕቐብ ከምእተገብር ምግላጻ ዝዝከር እዩ።
ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፍ ዘሎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ምስ ሰበስልጣን ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝዘተየ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ገሊጸን።
ኣቶ ደመቀ ምስ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ኣብ ዝካየዶ ዘተ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ‘‘ሚዛን ዘይሓለዉን ግጉያትን ክሲታት ተደጋጊሞም ይስምዑ እዮም’’ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኣዩ ጉድለታት ንምምላእ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ውድብ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ከምዝገለጸሉ ተሓቢሩ።
ክሊማዊ ለውጢ
ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ እዚ እዋን ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝተልዓሉ ርእሰ ጉዳያት ሓደ እዩ፡፡
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ሓዊሱ ኣመሪካ፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ቻይና፣ ህንድን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ኣብቲ ዘተ ተሳቲፈን እየን፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ዩናይትድ ኪንግደም ቦሪስ ጆንሰን፡ ሓያላት ሃገራት ዓለም ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ክምድበኦ ቃል ዝኣተወኦ 100 ቢልዮን ዶላር ተግባራዊ ክገብራ ኣተሓሳሲቡ።
ፕረዚደንት ባይደን ድማ ኣመሪካ ንምክልኻል ክሊማዊ ለውጢ እትምድቦ መጠን ገንዘብ ብዕጽፊ ከምእተዕብን ፡ ክሳብ ብአቆጻጽራ ኣውሮጳ 2024 ንዘይማዕበላ ሃገራት እትገብሮ ድጎማ ናብ 11.4 ቢልዮን ዶላር ክብ ከምእተብልን ተዛሪቡ፡፡
ኣንቶንዮ ጉተሬዝ እውን ዝማዕበላ ሃገራት ድኻ ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ክቃለሳ ብዝብል ዝህበአን ድጎማ ‘‘ተስፋ ዝህብ’’ ክብል ከምዝገለጾ ሮይተርስ ጠቒሱ፡፡
ዝማዕበላ ሃገራት ልቀት ካርበን ንምቕናሰን ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻልን ዝምድበኦ በጀት ኣብ ምምላእ ብዙሕ ከምዝተርፈን ኣብቲ ጉባኤ ተገሊጹ፡፡
ኮሮናቫይረስ
ጉዳይ ኮሮናቫይረስ እውን ካልእ ርእስ ጉዳይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ለበዳ ንምስዓር ዲፕሎማስያዊ ምትሕግጋዝ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ፡፡
ኣብ ልዕሊ እቲ ህይወት ሚልዮናት ዝበለዐ ለበዳ ምዕዋት ዝከኣል፡ ንኹሉ ብዝሓቁፍ መንገዲ ከምዝኾነ ኣብቲ ጉባኤ ተገሊጹ።
ብፍላይ ዝማዕበላ ሃገራት ዝኣከበኦ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንድኻ ሃገራት ከካፍላ ተደጋጋሚ ጸቕጢ ክግበር ጸኒሑ እዩ።