ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝተሓረሞም ሰብመዚ ገሊጾም

ዕጡቓት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀጻሊ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ

ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ትካላት ጥዕና ከምዘዕነዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ሰብመዚ ይዛረቡ።

ይኹን እምበር፡ ብወገን ህወሓት ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን። እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ሓይልታቶም ንሰላማዊ ህዝብን ህዝባዊ ትካላትን ዒላማ ከምዘይገብሩ'ዮም ዝገልጹ ነይሮም።

ሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ እቶም ዕጡቓት 20 ሆስፒታላት፡ 277 ማእከላት ጥዕናን 1162 ነቑጣታት (ጣቢያታት) ጥዕናን ከምዘዕነዉ ተዛሪባ።

ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሆስፒታል፡ 10 ማእከላት ጥዕናን 38 ነቑጣታት ጥዕናን ከምዝዓነዉ እታ ሚኒስተር ጠቒሳ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ጌታሁን መኩርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ልዕሊ 7000 ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዝዓነዉ ብምግላጽ፡ ካብኦም እቶም 445 ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 140 ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ'ዮም።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ'ውን ሰፊሕ ዕንወት ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ምስዓቡ ይፍለጥ።

ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ናይቲ ክልል ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ከምዝኾነን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብኦም ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከምዝርከቡን ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ክገልጹ ጸኒሐም'ዮም።

ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምእታው ኣንጻር ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራን ዘካየድዎ መጥቃዕትታት ተወሳኺ ምፍንቓልን ምግሃስ መሰላትን ከምዝስዓበ ጸብጻባት ይግልጹ።

ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተጀመረ ጻዕርታት ክሳብ ሕጂ ከምዘይሰመረ ይግለጽ።

ቀንዲ ኣካል ናይ ሓይልታት ትግራይ ዝኾኑ መራሕቲ ህወሓት፡ ንሰላማዊ ፍታሕ ቅሩባት ምዃኖም ብምግላጽ ሓይልታት ፈደራል፡ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ተቖጻጺሮሞ ኣለዉ ዝበልዎ ቦታታት ምዕራብ ትግራይ ክወጹ ይጠልቡ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ምስቲ ፓርላማ ኢትዮጵያ "ኣሸባሪ" ክብል ዝኣወጆ ህወሓት ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘይኮነ'ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀጻሊ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኣመሪ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ'ቶም ንሰላምን ጸጥታን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝፍጽሙን እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ከምዘውጽአ ይዝከር።