ቅልውላው ትግራይ፡ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ክብል ሓቲቶም

ምንጪ ስእሊ, STR
መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ነቲ ጎንጺ ብዘተ ክፈትሕዎን ሓቲቶም፡፡
ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ንመራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 16 ሕዳር 2021 ክካየድ ሙሰቬኒ ጸዊዕዎ ዘሎ ኣኼባ፡ ተወከልቲ ሃገራት ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ክርከቡ ትጽቢት ይግበር፡፡
ብተመሳሳሊፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ‘‘ደው ክብል ኣለዎ’’ ከምዝበለ ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡
ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ተኹሲ ደው አቢሎም ንዘላቒ ሰላም ክዘራረቡ ኣለዎም ኢሉ፡፡
ብኻልእ ዜና ብዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ትካል ልምዓት በየነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፡ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ሓቲቱ፡፡
ኢጋድ ኩሎም ወገናት ካብ ጎንጺ ክቑጠቡን ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑን እውን ሓቲቱ ኣሎ፡፡
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ከምዝተዛተየ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ፡ ናብ ዘተ ዝወስድ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዝገብር ነቲ መራሒ ከምዝገለጸሉ ብትዊተር ሓቢሩ፡፡
ብተመሳሳሊ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ነቲ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ጎንጺ መፍትሒ ንምድላይ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኣሎ፡፡
ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት አፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ድማ ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቱን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ማእከል እታ ሃገር እናቐረቡ ምምጸኦምን እቲ ጎንጺ ምግዳዱን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ፡፡
ብሰሉስ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ ኮይኑ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ሎሚ ኣጽዲቕዎ ኣሎ፡፡