ዛንታ ቸዛሪኖ፡ ንኤርትራ ዝነበሮ ዘይተመልአ ዓቢ ሕልምን ፍጻመ ሂወቱን

ምንጪ ስእሊ, DM
ድሕሪ ብዙሕ ናይ ስደትን ኮለልን ዓመታት'ዩ ናብታ ዝተወልደላ ኤርትራ ተመሊሱ። ፕሮፌሰር ቸዛረ ማነቲ ይብሃል። ብ04 መጋቢት 1928 አብ አስመራ ተወሊዱ። ኣብ መፋርቕ 40ታት ንክምሃር ካብ ኣስመራ ንሮማ ምስ ገዓዘ ብኡ ኣቢሉ ንሃገረ ኣመሪካ ቀጸለ።
እቲ ብደቂ ኣስመራ ብ"ቸዛሪኖ" ዝፍለጥ ሓኪም ካብ እዋን ጥሮትኡ ጀሚሩ ቀልቡ ናብ ኤርትራ ስለ ዝገዓዘ፡ በቲ ፍልጠቱን ዓቕሙን ነታ ዝተወለደላን ዝዓበየላን ሃገር ክሕግዝ ኣሎኒ ካብ ዝብል መንፈስ ተበጊሱ ኣብ ኤርትራ ምሉእ ፍቓድ ንምርካብ ብዉሑዱ ካብ 20 ክሳብ 21 ጊዜ ብምምልላስ ደኺሙ'ዩ ይብል ሓደ ብቐረባ ዝፈልጦ ፈታዊኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ብሰንኪ ቀዛፊ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብታ ዝተወለደላ ርእሰከተማ ኣስመራ ብሞት ምፍላዩ ንብዙሓት ፈተውቱን ፈለጥቱን ዘሕዘነ'ዩ ነይሩ።
"እቲ ከይተሓለሎ ክሳብ ጊዜ ስንብታኡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳያት ሕክምና ክሕግዝ ህርድግ ዝበለ ሓኪም፡ ኣብ ኣስመራ ብዕለት 13 ሰነ 2021 ብኮቪድ ምስ ዓረፈ ብዙሕ ሰብ ሓዘነ" ይብል ሩፊኤል ፍስሓጽየን፡ ምስ ቸዛሪኖ ርክብ ዝነበሮን ንኵነታቱ ድማ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረን ሰብ።
"እቲ ዜሕዝን" ይብል ሩፊኤል ፍስሓጽዮን፡ "እቲ ኣብ ኤርትራ ዝደልዮን ዝመደቦን ዕላማታት ክማላኣሉ ብዘይ ምኽኣሉ'ዩ።"
"እንታይ'ዩ ነይሩ ድልየቱን መደቡን?" ንዝብል ሕቶና፡ "ንሱ ናይ ፓቶሎጂያ ሓኪም ኰይኑ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስለ ዝሰርሐ ጥሮታ ምስ ወጽአ፡ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ምዃኑ'ዩ፡ ፍልጠቱ ናብ ኤርትራ ንከሰጋግር ኣዝዩ ጽዒሩ፣ መደቡ ግን ከምቲ ዝደለዮ ኣይተሳኻዓሉን" ክብል ሩፊኤል መለሰ።
ብፓቶሎጂያ ዝሰልጠነ ሓኪም ንሕማማት ብምርማር ኣብ ላቦራቶሪ ብዙሕ ጊዜ ዜሕልፍ ክኢላ ዀይኑ፡ ብሕማማት ልዑል ኣፍልጦ ስለ ዘለዎ ንሓካይም ብቑዕ ሓበሬታ ዚህብ'ዩ።
ኣቦኡ ንሩፊኤልን (ኣቶ ፍስሓጽዮን ሰሎሙን) ቸዛሪኖን ኣብ ኪዳነ ምህረት'ዮም ዝፋለጡ። ብኣዲኡ ንቸዛሪኖ፡ ኣደይ ስላስ ገብረጽየን፡ ኣቢሉ'ውን፡ ዝምድና ኣለዎም። ብተወሳኺ ኣደይ ስላስ ንዓባይ ሓብቱ ንሩፊኤል፡ ተጋዳሊት ኣስቴር ፍስሓጽዮን፡ ኣባልገኣ (ኣደ-ጥምቀታ) እየን።
"ድሕሪ ናጽነት ቸዛሪኖ ኣብ ገዛና ክመጽእ ይዝከረኒ" ይብል ሩፊኤል። "ብፈለማ 90'ታት አቢሉ ይኸዉን ምስ በዓልቲ ቤቱ አብ ገዛና ብኣካል ረኺበዮም። እዚ ብቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ጣልያን መን'ዩ?' ኢለ ብቀውታ ክርእዮን ንዕላሉ ጽን ኢለ ክሰምዕን ይዝከረኒ። ንኣቦይ ይፈትዎን የኽብሮን ስለ ዝነበረ ድማ 'ኣያ ፍስሓጽዮን' እናበለ ከዕልል ክሰምዕ ዕላሉ ስሓበኒ" ዝኽሩ የካፍል።
ቸዛረ ማነቲ ኣብቲ ጥሮታ ዝወጽአሉ እዋን በቲ ዝመስሎ ንህዝቢ ከገልግለሉ ዜኽእሎ መንገዲ ክደሊ ምስ ጀመረ እቲ ብቐዳምነት ዘድሊ ትምህርቲ ምሕደራ ጥዕና ህዝቢ'ዩ ዝኸውን ኢሉ ባዕሉ በቲ ዓውደ ትምህርቲ ተወሳኺ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ሒዙ ንኣስመራ ተጓዕዘ።
ካብኡኸ ናበይ ኣበለ?
ምንጪ ስእሊ, DM
ቸዛሪኖ፡ ኣብ መወዳእታ 40ታት ኣብ ሮማ ተመሃራይ ሕክምና ኣብ ዝነበረሉ እዋን
ናብ ድሕረ-ባይታ ቸዛሪኖ ንመለስ
እቲ ኣብ ከረንን ኣስመራን (ኣብ ከባቢ ኪዳነ-ምህረት) ዝዓበየ ቸዛረ፡ ብኵነታት ኣተዓባብይኡን ዛንታ ስድርኡን ብትግርኛ ከዘንቱ፡ ዕላሉ ድማ ብሓረጋት "ዓድና" "ደቂ ዓድና" ኣሰንዩ ክገልጽ ምስማዕ ንሰማዒ መስተንክር'ዩ ዝዀኖ።
ብመጀመርታ እቲ መሳጢ ሸነኽ ዕላሉ ብትግርኛ ክዛረብ ምስምዑ'ዩ። እኳ ድኣ ነቶም ከበድቲ ቃላት ትግርኛ - ብፊደላት ቐ፡ ኸ፡ ሐ፡ ዐ፡ ዝስነዩ ቃላት - ብዘይ ጸገም እዩ ዘድምጾም።
ብዛዕባ ዜኻዕበቶ ፍልጠት ቋንቋ ትግርኛ ከዕልል ከሎ፡ "ኣቦይ ጥልያን'ዩ፣ ኣብ ዓዲ ጎምቦሎ ኸኣ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክት ነይሩዎ፣ ኣብቲ እዋን፡ ኣነ ብቖልዓይ ከሎኹ ምዃኑ'ዩ፡ ኣብ ጃርዲን ናይ ኣቦይ ምስ'ቶም ጓሶት እውዕል ነይረ። መሰረት ትግርኛይ እምበኣር ኣብኡ'ዩ ዝጅምር" ይብል ቸዛሪኖ። "ብዓቢኡ ኸኣ ኣደይ፡ ኤርትራዊት በዓልቲ እምኒ ጸሊም'ያ ... ምስ ኣደይ እኹል ጊዜ'የ ኣሕሊፈ" ይብል።
ኣቦኡ፡ ቸዛሪኖ ወዲ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ከረን ዓረፈ። ኣብቲ እዋን'ቲ ቸዛረ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ይመሃር ነበረ። ብድሕሪ ሞት ኣቦኡ ግን ብሕጽረት ገንዘብ፡ ካብቲ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ወጺኡ ምስ ኣዲኡ ኣብ ኪዳነ-ምህረት ተኸተተ።
ኣብቲ እዋን 2ይ ዉግኣ ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ተወሊዑ እንግሊዝ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝድፍኣሉ ዝነበረሉ እዋን ነበረ። ኣብ 1941 እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ኣብ ኤርትራ ኣተወ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ኣደይ ስላስ ስዋ እናጸሞቛን እንጀራ እናሰንከታን ንቸዛረ ከዕብይኦ ጀመራ፣ ቸዛረ ድማ ትምህርቱ እናቐጸለ ቀንጠ መንጢ እናሸጠን ንኣዲኡ ይሕግዘን ነበረ።
ንቸዛረ ብ5-6 ዓመት እትዓብዮ ሓብቱ ነይራቶ'ያ፣ እንግሊዝ ምስ ኣተወ ግን ካብ ኤርትራ ወጺኣ ኣምሊጣ።
ዋላኳ ቸዛሪኖ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ይመሃር እንተነበረ፡ ምስ ኵሎም ደቂ-ገዛውቱ ብቋንቋ ትግርኛ እናተዛረበ'ዩ ዓብዩ። ብተወሳኺ ኣብ እንዳ እናቴ ፍትገ ትግርኛ ምንባብን ምጽሓፍን ተማህረ። ቋንቋ ትግርኛ ንኽመልኽ ልዑል ድልየት ስለ ዝነበሮ ከኣ ብተገዳስነት ኣጽኒዑ ብግቡእ ክጽሕፎ በቕዐ።
ኣይጸንሐን፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ንሮማ፡ ኢጣልያ ተጓዕዘ። ትጉህ ተምሃራይ ስለ ዝነበረ ኣብ ሮም-ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ሕክምና ከጽንዕ ጀመረ። ኣብ መወዳትኡ ኸኣ ተዓወተ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ምስ በዓል ደቂ ሲላ፡ ናንዶን ፍዮረሎን ዝተባህሉ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዘበን ዜገልገሉ ፍሉጣት ሓካይም ኣሕዋት፡ ሓቢሩ ከም ዝተማህረ ይነግር እዩ ኣብ ዛንትኡ።
ምንጪ ስእሊ, DM
ፈለማ 60'ታት - ኣደይ ስላስ ምስ ኣባ ገብሪኤል ኣብ ሮማ ዝተሳእልኦ ስእሊ
ብጊዜ እንግሊዝ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ተኸፋፊሉ ስለ ዝነበረ - ገሊኡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ገሊኡ ምስ ጣልያን፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናጽነት ይሕሸና ብምባል ኣብ ሓያል ክትዕን ባእስን ስለ ዝነበረ - መንግስቲ ጣልያን ነቶም ምስ ጣልያን ይሕሸና ዝብሉ ጕጅለ ክሳብ ዓዲ ጣልያን እናምጽኡ ይምልምልዎም ስለ ዝነበሩ፡ ቸዛረ ኸኣ ከም ኣስተርጓሚ ኰይኑ ብትርፊ ጊዜኡ ይሰርሓሎም ከም ዝነበረን ንፍልጠት ትግርኝኡ ኣብ ሮማ ከይተረፈ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ባዕሉ የዘንቱ።
ኣብ ሮማ ይቀመጥ'ምበር ምስ ወላዲቱ ኣደይ ስላስ ርክቡ ኣየቋረጸን፣ ደጋጊሙ ይጽሕፈለን ነይሩ። እኳ ድኣ ኣብ ሮማ መጺአን ንክረኽብኦ መገዲ ፈጢሩለን'ዩ።
ስራሕን ናብራን ኣመሪካ
ኣብ ሮማ ትምህርቱ ምስ ወድአ መዓርግ ትምህርቱ ንክውስኸሉ ናብ ሃገረ ኣመሪካ ንክጐዓዝ ዕድል ረኸበሞ፡ ነቲ ዕድል ተጥቕመሉ። ኣብኡ ድማ ብስርሑን ሓዳሩን ኣዝዩ ዕዉት ናብራ ይመርሕ ነበረ።
ቸዛሪኖ፡ ዝበዝሐ ህይወቱ ኣብ ሮክፎርድ እትበሃል፡ ኣብ ክፍለሃገር ኢሊኖይ እትርከብ ኣመሪካዊት ከተማ'ዩ ኣሕሊፉዎ። ኣብኡ ኣብ ቅዱስ-ኣንቶንዮስ ዝበሃል ሆስፒታል ከም ዳይረክተር ናይ ክፍሊ ፓቶሎጂን ፕረዚደንት ኣለይቲ ሕክምናን ኰይኑ ኣገልገለ። ኣብ ርእሲኡ'ውን፡ ኣብ ኮለጅ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኢሊኖይ መምህር ብምዃን ሓያሎ ዓመታት መሃረ።
ብተወሳኺ፡ ሓደ ማእከል ፓቶሎጂ ብምምስራት ኣብ ምሉእ ከባቢኡ ናይ ዝርከባ ሆስፒታላት ላባራቶሪ ሓላፊ ዀይኑ ኣገልጊሉ'ዩ። ብሓጺሩ ምሉእ ሞያዊ ህይወቱ ኣብ ሮክፈርድ'ዩ ኣሕሊፉዎ፣ ነተን ኣርባዕተ ደቁ'ውን ኣብኡ ምስ'ታ ኢጣልያዊት በዓልቲ ቤቱ (ተሬዛ) ኰይኖም ኣዕብዮመን።
ጥሮታ ምስ ወጽአ ኸኣ ከም ወለንተኛ ሓኪም ኣብ ሃገራት ህንዲ፡ ኬንያ፡ ነፓልን ማዳጋስካርን ሰሪሑ።
ኣብ ኤርትራ ግን፡ ናብ ክፍሊ ጥዕና ብምኻድ፡ (ብነጻ፡ ብዘይ ክፍሊት) ብምሕደራ ጥዕና ህዝቢ ክተሓጋገዝ ከምዝደሊ ምስ ሓበሮም፡ "ንሕና ምስ እንፈቱ በቲ ዝደለናዮ ኢና ሰብ ንቘጽር ምበር ንስኻ ኣይኰንካን ትመርጽ" ክብሉ ከም ዝመለሱሉ ኣብ ቲቪ ኤረ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹዎ ነይሩ።
ምንጪ ስእሊ, DM
ቸዛሪኖ ወትሩ ሕጉስ!
እቲ ቀንዲ ስራሕ ናይ'ዚ ውርጹጽ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ጣልያንኛ፡ እንግሊዘኛን ፈረንሳይኛን ከምኡ'ውን እስጳኛ ዝዛረብ ሰብ ናይ ፓቶሎጂያ (ስነ-ሕማም) ክኢላ ኢዩ ነይሩ። ምስኡ ኸኣ፡ ፈተውቱ ከም ዝገልጹዎ፡ ብተፈጥርኡ፡ ተኸናኻንን ኰስኳስን ሰብ፡ ገባር-ሰናይ፡ ደጋፍ-ሰብኣውነት ዝዀኑ ምሩጻት ባህርያት ነይሮሞ።
ደቁን ናይ ቀረባ ሰቡን ከም ዝምስክርሉ፡ ቸዛሪኖ ኣብ ቤተ-ሰቡ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ኣብ ፍልጠትን ትምህርትን ዝነበሮ ኣኽብሮት፡ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ዝነበሮ ንቕሓት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣዝዩ ዕዙዙን ወሰን ከም ዘይነበሮን ይገልጹ።
ፈደሪካ ዝተባህለት ጓሉ ንቸዛሪኖ ኣብ ተዝካሩ "ኣቦይ ብርሑቕ-ጕያ ኣብ ማሕበረሰብናን ቤተ-ሰብናን ፍሉጥ'ዩ ነይሩ" ኢላ ተዛሪባ።
"እታ ንመጠረስታ ጊዜ ዝጐየየላ መዓልቲ ትዝከረኒ፣ ኣብ 88 ዕድሚኡ ኣብ ክሊቭላንድ [ኣመሪካ) ጓለይ ናታልያን በዓል-ቤተይን ዝተሓወስዎ ጕያ ተሳቲፉ" እናበለት ብናፍቖት ትዝክሮ።
ቸዛሪኖ ብጕያ ማራቶንን ፍርቂ-ማራቶንን እቶም ዝኣከቦም መዳልያታትን ኰኑ ዝፈልጥዎ ሰባትን ምሒር ጐያያይ ምንባሩ ይምስክሩሉ'ዮም። ናብ ኤርትራ ይመላለሰሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ'ውን ይጐዪ ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ሰባት ኣይተሳእኑን።
ኣብ ዓምደ-ሙታን ቸዛረ ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ፡ ብተፈጥርኡ ገያሻይን ንባህልታት ደቂ-ሰብ ዜኽብርን ንክፈልጥ ድማ ዝህንጠን ሰብ ነበረ።
እቲ ብመሳትኡን መሳርሕቱን ብዓቢ ክብርን ኣድናቖትን፡ ብቤተ-ሰቡ ብፍቕርን ናፍቖትን፡ ብኣዕሩኽቱ ድማ ብለውሃቱን ቑም-ነገሩ ዝዝከር ቸዛሪኖ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ኣስመራ ኣብ 93 ዕድሚኡ ብሞት ተፈልዩ።
ሩፊኤል ከም ዝበሎ፡ "ቸዛሪኖ ዋላ'ኳ ኣብ ከረን ክቕበር ይደሊ እንተነበረ ኣብ ኣስመራ (ጸጸራት) ኢዩ ተቐቢሩ፣ ባዕሉ ቸዛሪኖ ንኣስከሬን ኣዲኡ ካብ ጸጸራት ናብ ከረን'ዩ ኣግዒዙዎ፣ ንሱ'ውን ኣብ ማዕሪአን ክቕበር'ዩ ነይሩ ድልየቱ፣ ግን ኣይተኻእለን" ይብል።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከተማ ከረን
ንኤርትራ ዝነበሮ ዘይተመልአ ዓቢ ሕልምን ፍጻመ ሂወቱን
"ቸዛሪኖ እቲ ዝተረፎ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ንከሕልፎ፡ እቲ ሞያኡ ድማ ንኤርትራውያን ሓካይም ከመሓላልፎ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ዝርርብ'ዩ ነይሩ። ነቲ ጕዳይ ድማ ንክጽዕረሉ ብዙሕ ጊዜ ንኣስመራ ተመላሊሱ'ዩ" ይብል ሩፊኤል።
ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ኣብ ኤርትራ ምስ ደናግል ኰይኑ ብማሕበር ካቶሊካዊ ግብረሰናይ ዝካየድ ናይ ላቦራቶሪ ፕሮጀክት ክተክል በቕዐ። ኣብቲ ፕሮጀክት ተክኒካዊ፡ ትምህርታውን ንዋታውን ሓገዝ ብምቕራብ ኣብ ብርክት ዝበሉ ነቝጣታት ላባራቶሪ ብምትካል ሞያዊ ኣገልግሎቱ ተዋጺኡ እዩ።
ኣብ 2017፡ ኣብ ሻባይት ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተገልጸ፡ ቸዛሪኖ ኣብ ጥቓ ከረን ክልተ ላቦራቶሪ፡ ኣብ ሓመልማሎ፡ ሓልሓል፡ ሞጎሎ፡ እንገላ፡ ድግሳን ግላስን ከኣ ሓሓንቲ ላባራቶሪ ከምዝተኸለ ተሓቢሩ ኣሎ።
ይዅን'ምበር፡ መንግስቲ ኣብ 17 ሰነ 2019 ብዝወሰዶ ስጕምቲ መሰረት- ምዕጻው 22 ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ - ንቸዛረ ዓቢ ሞራላዊ ውድቀት ከም ዜስዓበሉ ሩፊኤል የዘንቱ። "እቲ ኩሉ ሕልምን ጻዕርን ብሓደ ጊዜ በኒኑ" ክብል ድማ ይገልጾ።
ቸዛረ አብ አስመራ ሞኖፖሊዮ: ጐደና ሩባ ዓንሰባ ይቕመጥ ኔሩ። ካብ ዓለም ቅድሚ ምፍላዩ እውን ካብ ገዝኡ ይወጽእ ከምዘይነበረ ናይ መወዳእታ ዛንታ ሂወቱ የረድእ።