ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ኤሜሬትስ፣ ቱርክን ግብጽን ከምርሕ እዩ

ፌልትማን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነ አምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ሃገራት ኤሜሬትስ፣ ቱርክን ግብጽን ከምርሕ እዩ ተባሂሉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራስ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣምባሰር ናብተን ዝተረቑሓ ሃገራት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክጓዓዝ እዩ።

"እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንጺ ንሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርግ ጠንቂ ምዃኑ ንርዳእ ኢና" ዝበለ ኔድ ፕራይስ፡ ፌልትማን ናብተን ሃገራት ተጓዒዙ ክዝቲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኔድ ፕራይስ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ወተሃደራዊ ፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ከምዘይኣምን ብመንዝኽካር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑ ምግባር እዩ ኢሉ።

ፌልትማ፤ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ዝተጉዓዘ፡ ሓይልታት ትግራይ ንደሴን ኮምቦልቻን ሓዊሱ ብዙሓት ከተማታት ኣምሓራ ተቖጻጺሮም ኣዲስ ኣበባ ንምእታዉ ድሌት ከምዘለዎም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጻንሒት ወዲኡ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሌት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምውጻእ ምዃኑ ነጊሩኒ ኢሉ።

"ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰሜን ደፊእካ ናብ ትግራይ ክምለስ ከምዝኽእል ተኣማሚኑ እዩ ዘሎ። እንተኾነ ኣብዚ ዓርሰ-እምነቱ ጥርጣረ ኣለኒ። ኣብ ወርሒ ሰነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንትግራይ ለቒቑ ክወጽእ እንከሎ ጀሚሩ ዘሎ ካርታ እንትርኢ፡ ኣብዚ ጉዳይ ጥርጣረ ኣለኒ" ኢሉ ነይሩ ፌልትማን።

ቀጻሊ ጉዕዞ ፌልትማን

ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ከዘራርብ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

ቅድሚ ሕዚ'ውን ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ተጓዒዙ ዘትዩ ነይሩ እዩ።

ንሱ፡ ካብ 26 ሚያዝያ ክሳብ 4 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ናብ ሃገራት ሱዳን፣ኬንያ፣ ኤርትራን ግብጽን ኣምሪሑ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምዝርራብ ብዝብል ናብ ቐጠር፣ ሳዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኬንያን ተጓዒዙ ምንባሩ ዝዝከር እኡ።

ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን

መራሕቲ ትግራይ፡ ቱርክን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ንመንግስቲ የቐብላ ኣለዋ ብዝብል ይኸሱ ኣለዉ።

መንግስቲ ቱርኪ፡ ነቲ ክሲ'ኳ እንተነጸገ፡ "ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክገብር ይኽእል እየ" ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነሐሰ 2013 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ብፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ታይፕ ኤርዶሃን ብዝቐረበሉ ዕድመ ናብ ኣንካራ ኣመሪሑ፡ ምስ መንግስቲ ቱርኪ ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ስምምዓት ገይሩ ምምላሱ ዝዝከር እዩ።

ፌልትማን ኣብ ካይሮ ዝህልዎ ጻንሒት ኢትዮጵያ ምስ ግብጺ ናብ ጎንጺ ዘእተዋ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ንምዝርራብ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።