ኢራቕ፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኣብ ኢራቕ ተዋፊሩ ዝነበረ ልፍንታዊ ሓይሊ ወተሃደራዊ ዕማሙ ምዝዛሙ ተገሊጹ
![ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኢራቕ [23 ነሓሰ 2020]](https://ichef.bbci.co.uk/news/640/cpsprodpb/0C84/production/_122040230_mediaitem122028800.jpg)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኢራቕ
ኣብ ኢራቕ ኣንጻር ኣይኤስ ቃልሲ ከካየድ ዝጸንሐ ዓለማዊ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ንጉጅለ ሽበራ ኣይኤስ ድሕሪ ምስዓሩ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኢራቕ ከካይዶ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 2500 ኣባላት እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ኣብኡ ኮይኖም ብጠለብ መንግስቲ ኢራቕ ንሓይልታት ጸጥታ ኢራቕ ‘ማዕዳን ሓገዛትን’ ከበርክቱ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ዕጡቓት ኣይኤስ ኣብ ዒራቕ ዳግማይ ከይለዓልን ንኢራቓውያን ስግኣት ንኸይከውንን ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።
ኣመሪካ እቲ ኣብ ኢራቕ ዝርከብ ሰራዊታ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ከተውጽኦ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስምማዓ ዝዝከር’ዩ።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኢራን ጀንራል ቃስም ሶሎማኒ ካብ ዝቕተል ንድሓር፡ ህላወ ሓይልታት ወጻኢ ኣብ ኢራቕ ኣብቲ ዞባ ኣዘራራቢ እዩ ኮይኑ።
ባይቶ ኢራቕ’ውን ዋላ’ኳ፡ ኣይኤስ ኣብ ገጠራት ኢራቕ ሓሓሊፎም መጥቃዕቲ ይፍጽሙ እንተኾኑ፡ እቶም ኣብ ኢራቕ ዝርከቡ ልፍንታውያን ሓይልታት ወጻኢ ብቅልጡፍ ክወጽኡ እዩ ጸዊዑ።
ኣመሪካ ነቶም ዕጡቓት ተኸተልቲ ሽዓ ናብ መዓስከራት ሰራዊት ኢራቕን ልፍንታውያን ሓይልታትን ናይ ሞርታር፡ ሮኬትን ድሮንን መጥቃዕትታት ይፍጽሙ ኣለዉ ብምባል እያ ትኸስስ።
ብኣመሪካ ዝምርሓ ናይ ግዳም ልፍንታውያን ሓይልታት፡ ኣብ 2003 ፕረዚደንት ኢራቕ ነበር ሳዳም ሑሴን ዝተኣገዱ ኒኩለራዊ ኣጽዋራት የፍሪ ኣሎ ብምባል እየን ወራር ኣካየደናሉ።
እንተኾነ እቲ ኢራቕ ተፍርዩ ኣላ ዝተብሃለ ውጉድ ኑክለራዊ ኣጽዋራት ከምዝተብሃሎ ሓቂ ኮይኑ ኣይጸንሐን።
እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣብ 2011 እኳ ጠቅሊሉ እንተወጸ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብቲ ዞባ እስላማዊ ዕጡቕ ኣይኤስ ሰፋሕቲ ቦታታት ኢራቕ ክቆጻጸር ስለዝጀመረ ዳግማይ ናብ ኢራቕ ተመሊሱ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኢራቕ ቃሲም ኣል ኣራጅ፡ ብሓሙስ ኣብ ሞንጎ እቶም ብኣመሪካ ዝምርሑ ልፍንታውያን ሓይልታትን መንግስቲ ኢራቕን ብዝተገበረ ተክኒካዊ ዘተ፡ እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣብ ኢራቕ ዝነበሮ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።
ቃሲም ኣል ኣራጅ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “እቲ ምስቶም ልፍንታውያን ሓይልታት ዝህልወና ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ብስልጠናን ምኽርን ክቅጽል’ዩ” ኢሉ።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኢራን ሊተናል ጀነራል ኣሚር ኣል ሻማሪ ብወገኑ “ወተሃደራትና ንዳዕሽ [ኣይኤስ] ከምዝሰዓርዎ ብግብሪ ኣርእዮም’ዮም፡ ብሕጂ ኸኣ ንደቂ ኣነስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኢራቕ ርግኣት፡ ጸጥታን ብልጽግናን ከውሕሱ እዮም” ኢሉ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ናይቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ሜጀር ጀነራል ብረናን ብወገኑ “ዳዕሽ ዓንዩ እዩ፡ እንተኾነ ምሉእ ንምሉእ ኣይኮነን” ብምባል ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጥራይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢራቕ ብኣይኤስ ብዝተፈጸመ ሰለስተ መጥቃዕትታት 18 ኩርዳውያን ዕጡቓትን ሰለስተ ሰለማውያን ሰባትን ከምዝተቐተሉ ይዝከር።