ሓይልታት ህወሓት ኣብ ቆቦን ጭናን ዓሰርተታት ሰባት ከምዝቐተሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ

ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ

ሓይልታት ህወሓት ንክልል ኣምሓራ ተቆጻጺሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ኣብ ከባቢታት ጭናን ቆቦን ዓሰርተታት ሰለማውያን ሰባት ብጅምላ ከምዝቐተሉ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ቅትለት ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 9 መስከርም 2021 [25 ነሓሰ ክሳብ 4 ጳጉሜ 2013 ዓመተ ምህረት] ኣብ ዝነበረ 10 መዓልታት ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።

መጀመርታ ሓይልታት ህወሓት 31 ነሓሰ 2021 [25 ነሓሰ 2013] ጭና ናብ እትብሃል ዓዲ ብምእታው፡ ምስ ሓይልታት ፌዴራልን ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ኵናት ገጢሞም ካብቲ ቦታ ቅድሚ ምውጽኦም ኣብ ዝነበራ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ 15 ቦታታት 26 ሰለማውያን ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ከተማ ቆቦ'ውን 9 መስከርም 2021 [4 ጳጌሜ 2013] ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ቦታታት 23 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ መሰኻኽር ዓይኑ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ብምግላጽ፡ እቲ ቅትለት ሓረስቶት እቲ ከበቢ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ንዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ዝተወሰደ ምዃኑ ሓቢሮም።

"ሓይልታት ትግራይ ኣብ ትሕቲኦም ንዘለዉ ሰለማወያን ሰባት ብምቅታል ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ሕጋጋት ናይ ኵናትን ዘለዎም ሸለልትነት ኣርእዮም'ዮም" ክትብል ናይ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ግጭትን ቅልውላውን ላማ ፋኪህ ገሊጻ።

ብምስዓብ "እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብዝካየድ ዘሎ ኵናት ብኩሎም ኣካለት ዝተፈጸመ ቅትለትን ጭፍጨፋን ብዓለምላኻዊ ዘይሻራዊ ኣካል መርመራ ከምዘድልዮም ዘርእዩ እዮም" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ከምኡ'ውን ሓይልታት ኣምሓራን ምልሻን ብሓባር ብምዃን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ኵናት ምክያዶም ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ኵናት ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሑሙ ይርከብ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ግን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምርሑ ሓይልታት መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ገስጋስ ብምግባር፡ ሓያሎ ንኣሽቱ ከተማታትን ኣገደስቲ ቦታታትን መሊሶም ከምዝተቖጸጸሩ ይፍለጥ።

ሂዩማን ራይትስ ዎችን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኩሎም ሓይልታት ክሳብ ገበን ኵናት ክብሃል ዝከኣል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ'የን ዝገልጻ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኵናት፡ ኣሽሓት ሰባት ንኽፈናቀሉ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ 3.7 ሚልዮን ሰባት ነጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንክኾኑ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ኣብ ጭና ተክለሃይማኖትን ኣብ ከተማ ቆቦን ብዛዕባ ዝተኻየደ ኵናትን ዘጋጠመ ነገርን ንምፍላጥ፡ ነቲ ቅትለት ዝርኣዩ መሳኻኸር፡ ናይ መውትቲ ኣዝማድን ጎሮባብትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዶኳተርን ዝርከብዎም ን36 ሰባት ብተሌፎን ቃለ መሕተት ከምዝገበሮም ገሊጹ።

ካብቶም መሳኻኽር እቶም 19 ኣብ ጭናን ቆቦን 49 ሰለማወያን ሰባት ብሓይልታት ህወሓት ክቅተሉ ከምዝርኣዩን ኣስማት ናይቶም 44 ከምዝጠቐሱን ብምግላጽ፡ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዝተብህለ ክብ ከብል ዝኽእል ዝርዝር ኣስማት መወትቱ ከምዝረኸበን ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሓምለ ንከተማ ቆቦ ዝተቆጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ፡ 9 መስከርም [4 ጳጉሜ 2013] ናብ ከባቢ ቆቦ ዝርከባ ገጠራት ብምኻድ፡ ኣብ ገዛውቲ ዝተሓብአ ወይ ዝተታሕዘ ብረት ከይህሉ ኣብ ዝፍትሽሉ ዝነበሩ እዋን ሓረስቶት እቲ ከባቢ ስለዝተኮስሎም ኵናት ተኸፊቱ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ፍጻመ ናብ ከተማ ቆቦ እናተመለሱ እንከለዉ ኣብ መንገዶም ሕርሻዊ ንጥፈታት ከካይዱ ንዝጸንሕዎም ሓረስቶት ከምዝቐተልዎም ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።

ሂዩማን ራይትስ፡ ኣብ ቆቦን ኣብ ጭናን ብሓይልታ ትግራይ ተፈጹሙ ንዝተብሃለ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ብዝምልከት ዝርዝራዊ ትሕዝቶ መሰኻኽራት ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣቐድም ኣቢሎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ሓይልታት ትግራይ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ከምዝፈጸሙ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጸበጻብ መልሲ ንኽረክብ ጸብጻቡ ናይ መራሕቲ ህወሓት ከምዝልኣኸ ዝገልጽ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ካብቶም ሓለፍቲ መልሲ ከምይረኸበ ገሊጹ።

ቀድሚ ሕጂ መራሕቲ ህወሓት፡ ስራዊቶም ጃምላዊ ቅትለትን ዓመጻትን ከምዝፈጸመ ንዝቀረበሎም ክሲ፡ እቶም ሓለፍቲ፡ ሓይልታቶም ከምኡ ዓይነት ተግባራት ከምዘይፈጸሙ ብምግላጽ ብዘይሻራዊ ኣካል መርመራ ክግበር ምጽውዖም ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት፡ እቶም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ወገናት ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ንዝገበርዎ መርመራ ዝምልከት ጸበጻብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምዝርግሖም ይዝከር።