ጓል ፈለማይ ኣመሪካዊ ተመራማራይ ህዋ ናብ ጠፈር ተጓዒዛ

ሎራ ሺፈርድ ቸርችለይ እትርከቦ ጉጅለ በረራ ጠፈር 'ቡሉ ኦሪጅን’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ሎራ ሺፈርድ ቸርችለይ እትርከቦ ጉጅለ በረራ ጠፈር 'ቡሉ ኦሪጅን’

ጓል እቲ ፈላማይ ኣመሪካዊ ተመራማራይ ጠፈር ፡ ኣላን ሺፐርድ፡ ኣቡኣ ናብ ጠፈር ካብ ዝጓዓዝ ድሕሪ 60 ዓመታት ናብ ጠፈር ከምበጽሐት ተገሊጹ።

ጓል 74 ሎራ ሺፈርድ ቸርችለይ ናብ ጠፈር ትጓዓዝ ዘላ ብ ‘ቡሉ ኦሪጅን’ ብዝብል ዝፍለጥ ኩባንያ ዝካየድ ንግዳዊ በረራ ኾይኑ፡ ንሳ ካብቶም ሽድሽተ ተጓዓዝቲ ሓንቲ እያ።

እቶም ተጓዓዝቲ ቅድሚ በረራ ምጀማሮም፡ ኣብ ክሊ ዜሮ ስሕበት ክጸንሑ ብምግባር ቀዲሞም ክፍትንዎ ተገይሩ ተባሂሉ።

እቲ በረራ፡ ኣብ ዓመተ 2021 ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኾይኑ፡ ኩባንያ ብሉ ኦሪጅን ኣብ ህዋ ዕዳጋ ቱሪዝም ክስፋፋሕ ዝጽዕር ዘሎ ትካል እዩ።

ኣቦኣ ንወይዘሮ ሺፐርድ ቸርችሊይ ኣብ 1998 ዝሞተ ኮይኑ፡ በቲ ሜርኩሪ ብዝብል ዝፍለጥ በረራ ኣብ 5 ግንቦት 1961 እዩ ናብ ህዋ ዝተጉዓዝ ፈላማይ ኣመሪካዊ ኾይኑ።

ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግርን ኣንባቢ ዜና ‘ጉድ ሞርኒን ኣመሪካ’ን ሚካኤል ስራሃን ድማ ካብቶም ትማሊ ብቐዳም ናብ ህዋ ዝተጓዓዙ ሓደ እዩ።

ብሉ ኦሪጅን ንፈለማ እዋን እዩ ሽደሽተ ሰባት ሒዙ ክጓዓዝ፡ እቲ በረራ ድማ በታ ጓል ተመራማራይ ጠፈር ‘ኒው ሺፐርድ ሮኬት’ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ።

እቲ ጉዕዞ ንክልተ መዓልታት ብሰንኪ ከቢድ ንፋስ ምሰተደናጎየ፡ ትማሊ ቀዳም እታ ሮኬት ካብ ቫን ሆርን ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ገጠር ግዝኣት ቴክሳስ፡ ተወንጪፋ።

እቲ በረራ ቅድሚ ሕዚ ብዝገበርዎ ተመሳሳሊ መስመር እዩ ተኻይዱ ተባሂሉ።

እቲ ጉዕዞ 10 ደቒቃ ዝወሰደን 62 ማይል ዝረሓቐን እንትኸውን [100 ኪሎሜትሮ] ካብቲ ፈላማይ በረራ ኣላን ሺፐርድ ብሓሙሽተ ደቒቓን ብርሕቐት ድማ ብ116 ማይለስ ዝሓጸረ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ወይዘሮ ሺፐርድ ቸርችሊይ፡ “ኣቦይ ዝወርድ ዘሎ መሲሉ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ ሐዚ ኣነ ዝረኽቦ ዘለኹ ሓጎስ ከይረኸበ ዝኸደ መሲሉ ድማ ይስመዐኒ” ኢላ።

“ንሱ ኣብ ሰራሕ እዩ ነይሩ፤ ባዕሉ እዩ ድማ በሪሩ ኸይዱ፤ ኣነ ግና ንክህደስ እየ ተሳፊረ ኸይደዮ”።