ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ኣመሪካ ኣብ 40 ዓመታት 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ዘይተርኣየ ዝተባህለ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ኣመሪካ፡ ብፍላይ ትሑት መነባብሮ ንዘለዎም ኣመሪካውያን ሸማቶ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡
ኣብ ወርሒ ሕዳር ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ብ 8.6 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ እዮም ኣሃዛዊ መረዳእታታት ዝሕብሩ፡፡
ኣብ ኒውዮርክ ሃርለም ብስራሕቲ ጽርየት እትናበር ቢቢ ካብቶም እዚ ዝቕባበ ናብረኦም ዘኽበደሎም ሰባት ሓንቲ እያ፡፡
ንሳ ወጻኢታታ ክትንኪ ከምዝተገደደትን ሓሓሊፉ እውን ንሳን ወዲ 27 ዓመት ወዳን ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ምግቢ ጥራይ ተኻፊሎም ከምዝበልዑን ትዛረብ፡፡
‘‘ኣማራጺ የብልናን፤ ዓቕሚ የብለይን’’ እትብል ቢቢ ‘‘ ንእሽተይ ጥዒመ እቲ ዘሎ ንዕኡ እየ ዝህቦ፤ ምኽንያቱ ኩሉ ሻብ ኣዶ ንውላዳ እያ እተቐድም’’ ክትብል ማዕረ ክንደይ ተጸጊማ ከምዘላ ትገልጽ፡፡
ኣብዚ እዋን ዋጋ ሸቐጣት ምግቢ ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ዋጋ ነዳዲ ብ 6.1 ምኢታዊት ዓብዩን ፡ መሸጣን ክራይን ዘገልገሉ መኻይን እውን ወሲኹን እዩ፡፡
ሰሙናዊ ወጻኢኣ ብ 30 ዶላር ከምዝዛየደ እትገልጽ ፓትሪሽያ ብወገና፡ ኩሉ ጊዜ እትገዝኦ ስጋ ደርሆን ሓሰማን ብቆጽለ መጽሊ ክትትከኦ ከምዝተገደደት ትዛረብ፡፡
"ስራሕ የብለይን፤ ስለዚ ኣብዚ እዋን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩለይ ኣሎ" ኢላ፡፡
ጡረተኛ ማርያ እውን ኣብ እትሽምቶም ነገራት ናይ ዋጋ ወሰኽ ጥራይ እንተይኮነስ ናይ መጠን ምንኣስ እውን ከምዘስተብሃለት ትገልጽ፡፡
ኣመሪካውያን ሸማቶ ካብ 1982 ኣኣ ናብዚ ዝለዓለ ወሰኽ ዓመታዊ ናህሪ ዋጋ ዘጋጠሞም ኮይኑ፡ እቲ ጸቕጢ ብፍላይ ትሑት ኣታዊ ኣብዘለዎም ሰባት ዝገደደ እዩ፡፡
እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝቕባበ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ወጻኢታት ዝውዕል 1.9 ትሪልዮን ዶላር ክጸድቀሉ ዝጽዕር ዘሎ ፕረዚደንት ባይደን እውን ጸቕጢ ፈጢሩሉ ኣሎ፡፡
ገለ ምሁራት ስነ ቑጠባ፡ እቲ ፕረዚደንት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተፈጠረ ቁጠባዊ ጸገማት ንምሕጋዝ ዝገበሮ ናይ ሓገዝ መደባት እቲ ዝቕባበ ክጋደድ ገይሩ እዩ ክብሉ ይወቕሱ፡፡
ኣብ ዘበነ ስልጣን ትራምፕ በዓል መዚ ግምጃ ዝነበረ ክሪስቶፈር ካምፕቤል ‘‘ ካብቶም ናህሪ ዋጋ ከጋጥም ዝገበሩ ዓበይቲ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ መንግስቲ ብዙሕ ገንዘብ ወጻኢ ስለዝገበረ እዩ’’ ክብል ይከራኸር፡፡
ከም ክላውድያ ሳህም ዝበሉ ስብ ሞያ ቁጠባ ብወገኖም እቲ ምኽንያት ወጻኢታት መንግስቲ ምውሳኹ ዘይኮነስ ኮቪድ-19 ኣብ ቁጽጽር ዘይምውዓሉ፡ በዚ ድማ ኣብ ቀረብ መካይን ፣ ነዳዲን ምግብን ጸቕጢ ብምፍጣሩ እዩ ይብሉ፡፡
እቲ ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ብፍላይ ኣብ ደቡባውን ማእከላይ-ምዕራብን እታ ሃገር ዝያዳ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ፡፡
ፕረዚደንት ባይደን ንምቕናስ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ እዩ፡፡