ኦሚክሮን ንምክልኻል ሰለስተ ግዜ ክታበት ምውሳድ ግድን ምዃኑ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክልተ ግዜ ክታበት ብምውሳድ ነቲ ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን ምክልኻል ከምዘይከኣል ተመራመርቲ ዩኬ ኣጠንቂቖም።
ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኣብ ዓሌታት ኦሚክሮንን ዴልታን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ክታበት ኣብ ምክልኻል እቲ ሓድሽ ዓሌት ብቕዓቱ ትሑት እዩ። ርግጽ እቲ መጽናዕቲ ናይ መጀመርታ ብርኪ እዩ ተባሂሉ።
እቲ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ሳልሳይ [ቡስተር] እናተብሃለ ዝግለጽ ዘሎ ደረጃ እቲ ክታበት 75 ሚኢታዊት ናይ ምክልካል ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊጹ።
ሰክረታሪ ዓዲ እንግሊዝ ሚካኤል ጎቭ ትማሊ ምስ ካልኦት ሚኒስትራት ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ ከምዝበሎ፡ ዓዲ እንግሊዝ ገጢምዋ ዘሎ ዘሻቕል ከምዝኾነ እዩ ገሊጹ።
ዛጊድ ዝተወሰደ ስጉምቲታት ተመጣጣኒ እንተኾነ’ኳ፡ ብቐረባ ምክትታል ዘድልዮ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።
“ተግባር ግድን እዩ። ሓድሽ መረዳእታ ይመጽእ ስለዘሎ ካብኡ ተበጊስና እንታይ ክንሰርሕ ከመዘለና ክንሕንጽጽ ኢና” ኢሉ።
448 ሓዱሽ መልከፍቲ ዝተረኽበ እንትኸውን፡ እዚ በዝሒ ነቲ ሓፈሻዊ መጠን መልከፍቲ ኦሚክሮን ናብ 1265 ሓፍ ኣቢልዎ ይርከብ።
ብሓፈሻ ብኮቪድ መልከፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 58,194 ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እቲ ዝዓበየ መጠን ኾይኑ እዩ ተባሂሉ።
ኣብታ ሃገር ሓድሽ ሕጊ ኣብ ምውጻእ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ምንባይ ሕሙማት ዝሳተፉ ኣመልኪቱ ብዝሒ ሓተትቲ ሕሙማን ተደሪቱ ይርከብ። ከምኡ ድማ፡ ምርመራ ክውስኽን ክስፋፋሕን ተሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ሓደ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን ብክታበት ምክልኻል ዘይምኽኣል ዘስዐቦ ሻቕሎት እዩ።
ኤጀንሲ ውሕስነት ጥዕና ዩኬ፡ ብውሱን ሓበሬታ [581 መልከፍቲ ኦሚክሮን ] ተጠቒሙ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ውጽኢታዊነት ክታበታት ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኒካን ፒፋይዘርን ጎዲሉ እዩ ተረኺቡ።
ሳልሳይ መተባብዒ [ቡስተር] ኣብ ዝወሰዱ ዝሓሸ ውጺኢት ኳ እንተተረኽቦ፡ ንሱ’ውን እንተኾነ ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓሌታት ዝነበረ ዓቕሚ ምክልኻል ኣየርአየን ተባሂሉ።
ክተባተት ሞደርናን ጃንሰንን ብዝምልከት እኹል ሓበሬታ ኣይተረኽበን እንተተብሃለ’ኳ፡ ካብቶም ካልኦት ክታበታት ዝፍለየሉ መገዲ ብዙሕ ኣይክህሉን ይብል፤ እቲ ኤጀንሲ ውሕስነት ጥዕና።
ሕዚ’ውን ግን፡ ኣብ ሆስፒታላት ነቲ ቫይረስ ስዒቡ ዝመጽእ ከቢድ ምልክታት ኣብ ምንካይ ጽቡቕ ተርእዮ ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቶም ክተበታት፡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ከይኸዱን እንተኽዱ’ውን ዝኸፍአ ቃንዛ ከይበጽሖም ኣብ ምሕዋይ ኣስተዋጸኦ ከምዘለዎም ይገልጹ።
ዛጊድ 22 ሚልዮን ሰባት ቡስተር ከምዝረኸቡ፡ እንተኾነ ሕዚ’ውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነቲ ሓድሽ ዓሌት ዝተቓልዑ እዮም ይብል።