ጂምናስቲክስ ኣመሪካ ንግዳያት ጾታዊ ጥቕዓት 380 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተስማሚዑ

ካብተን ጾታዊ ጥቕዓት ዝተፈጸመን ማከይላ ማሩኒን [ጸጋም] ሳይመን ቢለስ ይርበአን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ካብተን ጾታዊ ጥቕዓት ዝተፈጸመን ተሸለምቲ ወርቂ መዳልያ ማከይላ ማሩኒን [ጸጋም] ሳይመን ቢለስ ይርከበአን

ብዶክተር ሃገራዊት ጋንታ ጂምናስቲክ ኣመሪካ ነበር ላሪ ናሳር፡ ጾታዊ ጥቕዓት ዝተፈጸመን ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ 380 ሚልዮን ዶላር ክኽፈለን ምስ ማሕበር ጂምናስቲክ ኣመሪካ ተሰማሚዐን፡፡

አቲ ናይ ቤት ፍርዲ ምጉት ነቲ ስፖርት ኣመሪካ ኣዘራራቢ ዝገበረ ጽያፍ ተግባር ምስተፈጸመ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እዩ መዕለቢ ረኺቡ ዘሎ፡፡

ብጾታዊ ጥቕዓት ዝተኸሰሰ ናሳር ኣብ 2018 ማእሰርት ልዕሊ 300 ዓመት ተፈሪድዎ፡፡

ብዙሓት ተዓወትቲ ሜዳልያ ውድድር ኦሎምፒክ ዝርከበአን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት፡ እቲ ዶክተር ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸመለን መስኪረን እየን፡፡

እቲ ስምምዕ ካብቶም ምስ ጾታዊ ጥቕዓት ብዝኣሳሰር ዝተገበሩ ዓበይቲ ስምምዓት ሓደ ኮይኑ፡ ካብቶም ነጥብታት ሓደ ጂምናስቲክስ ኣመሪካን ኮሚተ ኦሎምፒክን ነተን ጥቕዓት ዝፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ መቐመጢ ቦርድ ኣባልነት ክህቡ ዝገብር እዩ፡፡

ንፈለማ እዋን በቲ ዶክተር ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝተፈጸማ ኣብ 2016 ንህዝቢ ዕላዊ ዝገበረት ራቸል ደንሆላንደር፡ ነቲ ዜና ብኣወንታ ዝተቐበለቶ ኮይና ‘‘ኣብ መወዳእታ እዚ ምዕራፍ ተዓጽዩ ኣሎ’’ ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ፡፡

እቲ ስምምዕ ነቲ ብሳይሞን በይልስ፣ ኣሊ ረይስመንን ማክካይላ ማሮኒይን ዝርከበአን ተዓወትቲ ሜዳልያ ወርቂ ኦሎምፒክ ዘቕረበኦ ክሲ ዝሓውስ እዩ፡፡

ናሳር ብሓፈሻ ኣብ ዩኤስኤ ጂምናስቲክስን ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋንን ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸመለን ዝገልጻ ልዕሊ 330 ደቂ ኣንስትዮ ከሲሰነኦ፡፡

እቲ ዶክተር ፈለማ ምስተኸሰሰ ወኪላት ኤፍቢአይ እቲ ምርመራ ኮነ ኢሎም ንምድንጓይን ንምሽፍፋንን ብምፍታኖም እቲ ተኸሳሲ ተወሳኺ በደላት ንምፍጻም ግዘ ረኺቡ እዩ፡ ተባሂሎም ክውቀሱ ጸኒሖም እዮም፡፡

ጠበቓ እተን ግዳያት ብሰኑይ ነቲ ውሳነ ታሪኻዊ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ነቲ ክሲ ንምጽራይ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ ሓለፍቲ ግና ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቦም ተሓንዩ፡፡

ዩኤስኤ ጂምናስቲክስ ብወገኑ ሓላፍነቱ ብዘይምፍጻሙ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳያት ብዝበጸሐ ስነ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ከምዝሓዘነ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ኣብ 2018 ሚሺጋን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ንግዳያት ጾታዊ ጥቕዓት ናሳር 500 ሚልዮን ዶላር ንምኽፋል ዝተሰማመዐ ኮይኑ ብሓፈሻ ነተን ግዳያት ዝኽፈል ካሕሳ 880 ሚልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ፡፡

መግለጺ ቪድዮ,

ቢቢሲ 'ኣፍሪቃ ኣይ'፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምርመራ ጋዜጠኝነት ተጠቒሙ ምስጢራት ጾታዊ መጥቃዕትታት ኣቃሊዑ ኣሎ።