ኣሜሪካ: ኣብ ክፍለ-ሃገር ኬንታኪ ብዘጋጠመ ህቦብላ ልዕሊ 70 ሰባት ሞይቶም

ህቦብላ ዘስዓቦ ዕንወት ኣብ ክፍለ-ሃገር ኬንታኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ግዝኣታት ኣሜሪካ'ውን ብውሕድ ናይ 13 ሰባት ሞት ተመዝጊቡ'ሎ

ኣመሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ኬንታኪ ኣንዲ በሺር “ክግለጽ ዘይኽእል ስንባደ” ተፈጢሩ ምህላዉ ብምሕባር፡ በቲ ዘጋጠመ ህቦብላ ብውሕድ 74 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።

ዕድመ ናይቶም ግዳያት ካብ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ህጻን ክሳብ 86 ዓመት ዝዕድሚኦም ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ብውሕድ 109 ሰባት ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን ዝበለ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኬንታኪ ኣንዲ በሺር፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ግዝኣት ኣለሻን ሂወት ናይ ምድሓን ስራሕትን ቀጺሉ’ሎ።

ልዕሊ 400 ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት ዝተጸቐጡ ሰባት ከይህልዎ ይፍትሹ ምህላዎም ተገሊጹ። ንዝተረፉ ነበርቲ ድማ ማይ፣ ጀነሬተርን ካልእ ቀረባትን ክበጽሖም ይግበር ኣሎ።

ኣብቲ ግዳያት እቲ ባህሪያዊ ሓደጋ ንምድሓንን ዝሞቱ ኣብ ምውጻእን ዝካየድ ዘሎ ኣለሻ፡ ብሽታ ዘለልዩ ኣኽላባት ከምዝተዋፈሩ ዝሓበረ እቲ ኣማሓዳሪ፡ ኣብ ገለ ቦታታት “ሕዚ’ውን ሬሳታት ንረክብ ኣለና” ኢሉ።

ካብተን በቲ ህቦብላ ኣዕርየን ዝተሃሰያ ከባብታ ኣብ ዝኾነት ከተማ ‘ማይፊልድ’ ዝነብር ወዲ 69 ዓመት ዴቪድ ኖርስዎርዚ “ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ሪኢና ኣይንፈልጥን” ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ ፋብሪካ ሽምዓ ብዝበጽሐ ሓደጋ 110 ሰራሕተኛታት ተቐርቂሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተሰጊኡ’ኳ እንተነበረ፡ 8 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 8 ሰራሕተኛታት ደሃዮም ከምዝተሰኣነን ይግለጽ።

ብኣሽሓት ዝቐዑጸሩ ነበርቲ ገዛውቶም ክዓንው ከሎ ልዕሊ 26 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ድማ ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጽዎም ኣሎ።

ስድራ ግዳያት ስነስርዓት ቀብሪ ዘፈጽሙሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኣኻኸበሉ መድረኽ ከምዝተዳለወ ካብ መግለጺ እቲ ኣመሓዳሪ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ንዝኽሪ ግዳያት ድማ ኣብ ምሉእ ክፍለ-ሃገር ኬንታኪ ባንዴራት ትሕት ኢሎም ክስቀሉ ተወሲኑ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ግዝኣታት ኣሜሪካ’ውን ብውሕድ ናይ 13 ሰባት ሞት ተመዝጊቡ’ሎ።

ኣብ ኤሊኖይስ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ትካል ኣማዞን ብምዕናዉ ሽድሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ድማ ሞትን ደሃይ ምጥፋእን ከምዝጋጠመ ተሓቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ,

ብህቦብላ ዝተውሓጠት ከተማ