ዓሌት ኮቪድ ኦሚክሮን ብዘይተገመተ ፍጥነት ይጋፋሕ ኣሎ- ውድብ ጥዕና ዓለም

ኦሚክሮን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኦሚክሮን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተረኺቡ

ኦሚክሮን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ኣብ መላእ ዓለም ይጋፋሕ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ፡፡

መልክፍቲታት እቲ ጠባዩ ዝቐየረ ቫይረስ ዛጊድ ኣብ 77 ሃገራት ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡

እንተኾነ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ተባጺሑ ክኸውን ከምዝኽእል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛሪቡ፡፡

ነቲ ቫይረስ ዝተሓተ ግምት ከምዝተውሃቦ ዝሓበረ እቲ ዳይረክተር ‘‘ወላኳ እቲ ቫይረስ ከቢድ ሕማም ናይ ምስዓብ ዕድሉ ዝወሓደ እንተኾነ፡ ቀልጢፉ ዝዓቢ ዘሎ ቁጽሪ መልከፍቲ ግና እኹል ምድላው ንዘይገበረ ስርዓተ ጥዕና ከዕለቕልቖ ይኽእል እዩ’’ ኢሉ፡፡

ዓሌት ኦሚክሮን ኣብ ወርሒ ሕዳር ፈለማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ፡፡

ፐረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ እውን ብኮቪድ ተለኺፉ ተወሺቡ እዩ ዘሎ፡፡

ምርካብ እቲ ቫይረስ ስዒቡ ብዙሓት ሃገራት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ጎረባብታን ዝግበሩ በረራታት ዝኸልከላ እኳ እንተኾና፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ምዕጋት ግን ኣይተኽኣለን፡፡

ካልኦት ምዕባለታት

- ቁጽሪ ብኮቪድ ዝሞቱ ኣመሪካውያን 800 ሽሕ ሓሊፉ ኣሎ- እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ መወትቲ እዩ፡፡

- መንግስቲ ዩኬ ዓሌት ኦሚክሮን ብፍጥነት ይጋፋሕ ስለዘሎ ኣብ ልዕሊ 11 ሃገራት ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ክልከላ ጉዕዞ ፋይዳ የብሉን ብዝብል ኣልዒልዎ ኣሎ፡፡

- በቲ ሓድሽ ቫይረስ ዝሰግአት ጣልያን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ህጹጽ እዋን ክሳብ 31 መጋቢት 2022 ኣናዊሓቶ ኣላ፡፡

- ኖርወይ ኣብ ባርን ኣብያተ መግብን መሸጣ ኣልኮል ምኽልካል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ እገዳታት ኣንቢራ ኣላ

ዶክተር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ምምቅራሕ ክታበት ዘሎ ዘይፍትሓውነት ከምዘሻቐሎ ደጊሙ ገሊጹ፡፡

ብዙሓት ኣብ ድኻ ሃገራት ዝርከቡ ተቓላዕቲ ሰባት፡ ዋላ ሓንቲ ዙር ክታበት ኣይረኸቡን ዘለዉ፡፡