ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 800 ሽሕ በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነፍሲ ወከፍ ጻዕዳ ባንዴራ ንሓንቲ ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ኮቪድ ዝሓለፈት ህይወት እያ ትውክል
ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 800 ሽሕ በጺሑ፡ በዚ መሰረት ኣመሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ እታ ዝበዝሐ ሞት ዘመዝገበት ሃገር ክትከውን ክኢላ ኣላ።
ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ብኮቪድ ዝተለኸፉ ሰባት 50 ሚልዮን ከምዝበጽሐ'ውን ተሓቢሩ።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ 2020 ኣብ 2021 ልዑል ቁጽሪ ሞት ከምዝተመዝገበን፡ ዝበዝሑ ካብቶም ዝሞቱ ዘይትኸተቡን ኣረጋውያንን ምንባሮም ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፋ 11 ሳምንታት ጥራይ ልዕሎ 100 ሽሕ ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ዶክተር ክቲ ኣልቶፍ "እዚ ሕጂ ንርእዩ ዘለና ማዕበል ናይ ምልባዕ፡ ክሳብ ኩሉ ሰብ ናይ ምክልኻልን ምምካትን ዓቕሙ ዘጎልብት ክቅጽል እዩ፡ ነዚ ደረጃ እዚ ኸኣ ኣይበጻሕናዩን ዘለና" ብምባል እቲ ሞት ክቅጽል ከምዝኽእል ኣንፈት ሂቡ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ስያትል ዋሽንግተን ናይ መጀመርታ ሰብ ብኮቪድ ካብ ዝመውት 650 መዓልታት ኣቁጺሩ ኣሎ፡ ኣብቲ እዋን ሓደ ኢሉ ዝጀመረ ሞት ሎሚ ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 800 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ኣመሪካ ክታበት ፋይዘር ክውሃብ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኣስታት 300 ሽሕ ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣመሪካ ንሞደርናን ጆንሰን ኤንድ ጆንሰንን ዝብሃል ተወሰኽቲ ክታበታት ኣብ መዓላ ክውዕል ፍቓድ ምሃባ ይዝከር።
እዚ ኣብ ኣመሪካ ተመዝጊቡ ዘሎ 800 ሽሕ ብኮቪድ ዝሰዓበ ሞት፡ ልዕሊ ብዝሒ ህዝቢ ነባሪ ከተማ ቦስተን እዩ ።
ነቲ ቁጽሪ ንምንጽጻር ኸኣ እቲ ቁጽሪ ዕጽፊ ናይቶም ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝሞቱ ኣመሪካውያን እዩ።.
ልዕሊ 616 ሽሕ ብሰንኪ ኮቪድ ዝሰዓበ ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ብራዚል ንኣመሪካ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ልዕሊ 475 ሽሕ ሞት ዘመዝገበት ህንዲ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።
ካብ ጠቅላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ እቲ 61.6 ሚኢታዊት ምሉእ ንምሉእ ከምዝተኸተበ እዩ ዝግለጽ።
ኣመሪካ መጀመርታ ኣብ ሚያዝያ 2020 ብቀዳማይ ማዕበል ብኸቢድ ለበዳ ክትህሰ እንከላ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኒውዩርክ ኣዝዩ ብዙሕ ሞት እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብ ሓጋይ ናይ ዓመተ 2020 ዝተራኣየ ካልኣይ ማዕበል'ውን ብተመሳሳሊ ብዙሕ መልከፍትን ሞትን'ዩ ኣስዒቡ፡ ኣብ ጥሪ ናይ 2021 ዝሰዓበ ሳልሳይ ማዕበል ግን ካብ ኩሉ ዝሓለፈ ኮይኑ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክሳብ 3000 ሞት ዝተመዝገበሉ እዋን እዩ ነይሩ።