ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ሱዳን ወተሃደራታ ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ተጸግዕ ምህላዋ ተገሊጹ

ሱዳን ሰራዊታ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተጸግዕ ምህላዋ ተገሊጹ።
ሱዳን ነቲ ብኢትዮጵያ ተታሑዙ ነይሩ ዝበለቶ ኣብ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣልፋሽጋ ዝርከብ መሬታ ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺራቶ ምህላዋ እያ ትገልጽ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ንሱዳናውያን ነበርቲ እቲ ኸባቢ ምሉእ ውሕስነት ከምዝህቦም ብምግላጽ "ቀሲንኩም ደቅሱ" ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈሎም'ውን ተገሊጹ።
ሱዳን 1 ታሕሳስ ከምዝሓበረቶ፡ ሳራዊታ ነቲ ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ቦታ ናይ ኣልፋሺጋ ዳገማይ ክሰፍር ፈቲኑ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፤ ደሕሪ ምልውዋጥ ቶኵሲ ናይ ከቢድ ብረት ምሉእ ንምሉእ ጸራሪጋ ከምዘውጸአቶ ምግላጻ ይዝከር።
ኣብቲ 27 ሕዳር ኣብ ቢርካት ናውራን ዝተብሃለ ክፋል ናይ ኣልፋሽጋ ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ናይ ቶኵሲ 21 ካብ ሰራዊት ሱዳን ከምዝሞቱን 30 ከምዝቖሰሉን መንግስቲ ሱዳን ምግላጹ ይዝከር።
እዚ ሓዲሽ ናይ ምትፍናን ኩነት ስዒቡ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሱዳን ሊተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሓ ኣል ቡርሃን ሃገሩ "ዋላ ሓንቲ ኢንች' ካብ መሬታ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ገሊጹ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተኾነ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጄነራል ብርሃኑ ጁላ ድሕሪ መግለጺ ናይ ሱዳን ነቲ ካብ ሱዳን ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመት ሓቢሩ።
እቲ ጄነራል ንኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን (ኢሳት) ከምዝበሎ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣይፈነወትን፣ መጥቃዕቲ እትፍንወሉ ምኽንያት'ውን የለን" ብምባል ካብ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ "ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሚሊሻን ኣብ ኣል ፋሽጋ ኣል ሹግራ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታቱ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱን ሞት ከም ዝስዓበን" ብምግላጽ . . . "እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን ብዝሃቦ ዓጸፌታዊ ምላሽ ኣብ ልዕሊ እቶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ በጺሑ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፡ ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ብወገኑ፡ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዶብ ሱዳን ኣቢሉ ክኣቱ ኣብ ልዕሊ ዝፈተነ ጉጅለ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወስደ ብምሕባር ብመንግስቲ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር።
ክልቲአን ሃገራት ብምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ ልሙዕ መሬት ኣል ፋሽጋ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2020 ጀሚሩ ናብ ግጭት ዝኣተዋ ኮይነን ክሳብ ሕጂ 90 ወተሃደራት ሱዳን ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ኣል-ፋሽጋ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ከምዝጸንሑ እዩ ዝፍለጥ።
ኢትዮጵያን ሱዳንን 750 ኪሎ ሜትር ሓባራዊ ዶብ ኣለወን። እንተኾነ ግን እዚ ዶብ ዝበዝሕ ክፋሉ፡ ንጹር ብዝኾነ መገዲ ኣብ ባይታ ኣይተከለለን።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ 750 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ናይ ሓባር ዶብ ክህልወን እንከሎ፤ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብንጹር ኣብ ባይታ ኣይተመልከተን።
ነዚ ንምፍጻም ተደጋጋሚ ዝርርባት ተጀሚሮም ብተደጋጋሚ ተቋሪጾም እዮም።
ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘዋጥጥ ዘሎ ጉዳይ እንታይእዩ?
ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ብዝብል ይፍለጥ።
ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ዘሎ ልሙዕ መሬት ይምነዩ።
ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ።
ኣልፋሽጋ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ ልዕሊ 240 ሄክታር ንሕርሻ ዝኸውን ልሙዕ መሬት ኣለዎ።
ክልቲኦም መንግስታት ቅድሚ ሕጂ፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ፡ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ተጌሮም ነይሮም።
ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክሕብሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።
እንተኾነ ነቲ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።