ኢትዮጵያ ኣሸንዳ፣ ሻደይን ኣሽንድዬን ብዩኔስኮ ንኽምዝገብ ዘቕረበቶ ሕቶ ንዝተወሰነ ጊዜ ኣልዒላቶ

ኢትዮጵያ ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ኣሽንድዬ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ማርያ ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት (ውርሻታት) ዩኔስኮ ንኽሰፍር ዘቕረበቶ ሕቶ ንዝተወሰነ ጊዜ ከምዘልዓለቶ ተገሊጹ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ): ነቶም ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝኽበሩ ባህላዊ ጸዋታታት ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ዓይኒዋሪ፣ ማሪያን ሶለልን ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት (ውርሻታት) ዓለም ምስፋሮምን ዘይምስፋሮምን ሎሚ 15 ታሕሳስ 2021 ውሳነ ክህብ ተመዲቡ ነይሩ።
ነቲ ምዝገባ ዘድልይ ረቛሕታት ንምምላእ ብገምገምቲ ኣካላት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርህን እንተቐረበ'ውን ኣብዚ ዓመት ንዝወሃብ ውሳነ ከይበጽሕ ከምዘይከኣለ ኣብ ሚንስትሪ ቱሪዝም በዓል ሞያ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኣቶ ገዛሀኝ ግርማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"እቲ ሓደ ኣይተማልአን ዝተባህለ እቲ ዘቕረብናዮ ሰነድ፡ እቲ ሓድጊ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ጾታዊ ማዕርንት ዘተረባብዕን ዘጉልሕን ምዃኑ ኣየርእን ዝብል እዩ። ንሕና ግን እቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ዝጻወትኦ፣ ናጻ ዝኾናሉን ሓሳበን ብናጽነት ዘቕርባሉን፣ ማሕበራዊ ነቐፌታ ዘቕርባሉን ካልኦት ብዙሓት ክብርታት ዘለዎን ሓድጊ ምዃኑ ኣቕሪብና ኢና" ኢሉ።
ካልእ መዐቀኒ ድማ እቲ ሓድጊ ብምምዝጋቡ ንህልውና ካልኦት ዘበርክቶ ግደ ኣየርእን ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ሓድጊ ኣፍልጦ ምርካቡ ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ትጽቢት ዘይተገብሮም ስግኣታት ዝብል እዩ።
"እንተኾነ እቲ ሓድጊ ብህዝብን ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝሕሎ ስለ ዝኾነ በጻሕቲ ዓዲ እቲ ሓድጊ ክብለጽሉ ኣይኽእሉን ኢልና ተኻቲዕና ነይርና" ክብል ኣረዲኡ ኣቶ ገዛሀኝ።
እቲ ሕቶ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ከምዝቐረበ ዘዘኻኸረ እቲ በዓልሞያ፡ ገምጋም ዘካይዱ ኣካላት ግን ሓሙሽተ ረቛሕታት ክማልኡ ከምዘለዎም ከምዝሓበሩ ገሊጹ። ነዚ ስዒቡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዝባሃል መረዳእታታት ከምዘቕረበት'ዩ ተሓቢሩ።
ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ዘይድህሰሱ ውርሻታታ ኣብ ዘመዝገበትሉ እዋን ተሰሳትፎ ዝገበረ እቲ በዓል ሞያ፡ ንኣሸንዳ/ሻደይ እውን ኣድላዪ መረዳእታን መብርሂን ከምዝቐረበ ሓቢሩ።
"ዝኾነ ክፍተት ኣይነበረን፤ ብቐንዱ ኣነ'የ እቶም ሰነዳት ዘዳልዎምን ዘተሓባብሮምን። ሓሓሊፉ ግን እቲ ዝግምግም ኣካል ሕይል ዝበሉ ረቛሒታት የውጽእ'ዩ፤ ናይ ሎሚ ኽኣ ፍልይ ዝበለ'ዩ። ንኣብነት ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝብል ኣሎ፤ እዚ ልዑል ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንምርዳእ ምስቲ ሕብረሰተብ ብምርኻብ እቲ ሓድጊ ናይ ባዕሉ ምዃኑ፣ ምስ ተመዝገበ ዘምጽኦ ረብሓ ብምርዳእ ንክምዝገብ ካብቲ ሕብረተሰብ ፍቓድ ከም ዝሃበናን ብፊርማ ከም ዝተረጋገጸን ጠቒስና ኢና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሳቶም ግን "ናይቶም ዝተኻየዱ ኣኼባታት ኣጀንዳ ኣየቐመጥኹምን፣ እተን ነቲ በዓል ዘኽብራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተሰማምዓሉ ብፊርምአን ዘረጋግጽ ጭቡጥ ነገር የብልኩምን" ከምዝበሉ ወሲኸዑ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ንግዚኡ ክተልዕል ምውሳና፡ ነቲ ዝቐረበ ገምጋም ዘድልዩ ሰነዳት መሊሳ ብምውዳብ ንሕቶኣ ዳግም ከምእተቕርብ ወሲኹ ገሊጹ'ሎ።
ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሎሚ ዓመት ክብዓል ዘይክኣለ ባህላዊ ጽንብል
ኢትዮጵያ እዞም ባህላዊ ውርሻታት ብዩኔስኮ ንኽምዝገቡላ ቅድሚ ዓመታት ሕቶ ዘቕረበት ኮይና፤ ኣብቲ ናይ ፈረንሳ-ፓሪስ መድረኽ ወግዓዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።
እታ ሃገር ውርሻታታ ኣብቲ መዝገብ ዓለም ንኽሰፍሩ ጽልዋ ዘሕድሩ ዝበለቶም ሰነዳት ከምኡ’ውን ታሪኻውን ባህልዋውን ረብሕኦም ዘረድእ ዝርዝር መብርሂ ኣቕሪባ’ያ።
ኣብ 21 ነሓሰ 2010 ኣቆጻጽራ ግእዝ ድማ ጸዋታታት ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ዓይኒዋሪ፣ ማሪያን ሶለልን ብሄራዊ ውርሻታት ብዝብል ከምዝተመዝገቡ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ግን ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ እቲ ብዓል ከምቀደሙ ዝጽንበለሉ ዕድል ኣይተረኽበን።
እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተፈላለዩ መጸውዒ ኣስማት ዝወሃቦ እዚ በዓል: ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ብጓይላ እናተጻወታ ናጽነተን ዝእውጃሉ ቅነ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ምድላዋት እቲ በዓል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ እንተኾነ’ውን ብቐንዱ ግን ኣብ 16 ነሓሰ [ኣቆጻጽራ ግእዝ] በቢዓመቱ ይኽበር። ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ድማ ይጸንሕ።
ኣብ ትግራይ - ኣብ ከባብታት እንደርታ ተምቤን ካልኦት ከባብታት ትግራይ ኣሸንዳ፤ ኣብ ኣኽሱም ዓይኒዋሪ፤ ኣብ ዓዲ ግራት ድማ ማሪያ ዝባሃል ኮይኑ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ - ከባቢ ዋግ ህምራ ሻደይ፤ ላስታን ላሊበላን ኣሸንድዬ ከምኡ’ውን ኣብ ራያ ቆቦ ሶለል ብዝብል ይጽዋዕ።
ብፍላይ እቲ ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ ወይ ሻደይ ዝብል ስያመ መሰረቱ፡ ካብቲ ቆልዑ ኣሸንዳ ኣብ ዙሪያ መዓንጠአን ዝዓጥቅኦ ቆጽሊ ከምዝኾነ ይዝረብ። ኻልእ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እንተኾይኑ ድማ እቲ ስያመ ካብቲ ቆልዑ ኣሸንዳ ከቢበን ዝጻወትኦ ባህላዊ ጸዋታ’ዩ ተወሲዱ።
ኣጀማምራ እቲ በዓል
እቲ በዓል ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ብስፍሓት ዝኽበር ኮይኑ፡ ኣብ ኣጀማምርኡ ወይ ታሪኻዊ ኣመጻጽእኡ ብዝምልከት ግን ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ትንታነታት ይቕርቡ።
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝነበረ እዋን ንምዝዛም እዋን ክረምትን ምእታው ሓጋይን ምኽንያት ብምግባር ብታሕጓስን ፌስታን ዝኽበር በዓል ከምዝነበረ ዝገልጹ መረዳእታታት’ኳ እንተሃለዉ፡ ካልኦት ድማ ምስ ሃይማኖት ክርስትና ከምዝተሓሓዝን ኣብቶም እቲ በዓል ዝኽበረሎም ቦታታት ክርስትና ድሕሪ ምትእትታዉ ከምዝተጀመረን ይግለጽ።
ነቲ በዓል ምስ ሃይማኖት ዘተሓሕዝዎ ኣከላት፤ እቲ መዓልቲ ኣብ 16 ነሓሰ ምዃኑ ምስ እርገት/ፍልሰት ማርያም [ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዛዘሚ ጾመ ፍልሰታ] የተሓሕዝዎ።
ወይዘሪት ኢለኒ ይኩኖኣምላክ
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝኽበር ዝነበረ በዓል ከምዝኾነ ዝሕብሩ ኣካላት ብወገኖም፤ ኣብ ዘመነ ኖህ ዘጋጠመ ናይ ጥፍኣት ማይ ምጉዳሉ ክተበሰር ርሑስ ሳዕሪ ሒዛ ንዝተመለሰት ርግቢት መሰረት ይገብሩ።
ከምዚኦምን ካልኦትን ዝበሉ ታሪኻዊ ሓበሬታታት ብስፍሓት ዝዝረቡ ኮይኖም፤ ዋላ’ውን ብስፍሓት ምስ ሃይማኖት ክርስትና ብምትሕሓዝ እንተተገለጸ፤ ነቲ ባህላዊ ውርሽኡ ብምዝካር ግን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ምስ ክርስቲያን ኮይነን ይጻወታ።
ነቲ በዓል ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንምስፋር ዝተዳለወ ሰነድ፡ ኣሸንዳ/ሻደይ ንህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘተኣሳስር ሓበራዊ ክብሪ ከምዝኾነ የመልክት።
ቁሩብ ብዛዕባ ኣኼባ ዩኔስኮ
ኮሚቴ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ሓድግታት/ውርሻታት ብ 04 ታሕሳስ ዝጀመረ ኮይኑ ክሳብ 09 ታሕሳስ 2021 [ኣቆጻጸር ግእዝ] ክቕጽል’ዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ተወከልቲ መንግስታት፣ ዘይመንግታውያን ትካላት፣ ትካላት ባህሊን ካልኦት ሰብብጽሒትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተሳተፍቲ ይርከቡ።
ዌብሳይት ዩኔስኮ ከምዘመልክቶ፡ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ሓድግታት/ ውርሻታት ኣብ ዝብል መዝገብ ንኽሰፍሩ ዝሓቱ 48 ሰነዳት ቀሪቦም ኣለዉ።