ሓደ ኣንበጣ ብኸመይ ናብ ኣዕናዊ ወራር ከምዝቕየር

ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡብ ኤስያን፡ ኣብ ልዕሊ አእካልን መጋሃጫ ጥሪትን ከቢድ ዕስለ የስዕብ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን ከምዚ ዓይነት ወራር ኣንበጣ ኣይተራእየን። ብኸመይ እዩ ግን ክሳብ ክንድዚ አዕናዊ ኮይኑ ?

ዝርዝር ስእሊ ኣንበጣ በረኻ

ከምዚ ዝዓይነቱ በላዒ እጸዋት ኣንበጣ በረኻ - ፈለማ ንጹል ህይወት እዩ ዘለዎ። እንቋቑሖ ተጸፍዩ ምስ ተጫጨሐ በብቑሩብ ናብ ኩብኩብታ ይቕየር - ጸኒሑ ከኣ ይነፍር።

ዝርዝር ስእሊ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ

ኣንበጣ በረኻ ኣብ ዕብየቱን ምዕባለኡን ተለዋዋጢ ባህሪያት እዩ ዘለዎ። ብሓንሳብ ክእከቡ እንከለው ንሓደ ልሙዕ መሬት የብርሱ። እቲ ንጹል ህይወት ሓዲጎም ናብ ሓደ አዕናዊ ፍጥረት ይቕየሩ።

ተጫጪሖም ኩብኩብታ ምስ ኮኑ ሕብሪ ይቕይሩ። ካብኡ ጉጀለ ኣቚሞም ብዕስለ ይነፍሩን ሓደጋ የስዕቡን።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣንበጣ ገዘፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ክሳብ 10 ቢልዮን ዝኸውን ዕስለ ኣቚሞም ንኣማኢት ኪሎሜተራት ይሽፍኑ። እናተራብሑ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 220 ኪ-ሜተር ዝኸውን ዘራእትን ዕጸዋትን የብርሱ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ሓደ ዕስለ ኣንበጣ፡ ናይ ዓመት መግቢ ናይ 2,500 ሰባት ክበልዕ ይኽእል።

ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ እቲ ኣብ 2003-05 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ፡ ኣስታት $2.5ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዘራእቲ አዐንዩ እዩ።

ኣብ 30ታት 40ታትን 50ታትን ዝተራእ የካብዚ ዝተገልጸ ዝዓብን አዕናውን ኣንበጣ እውን ኣሎ። ክሳብ ብለባዳ ዝግለጽ ብዝሒ ብሓደ እዋን ሓያሎ ዞባታት የጥቅዑን ይሽፍኑን።

ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ)፡ እቲ ሓደገኛ ሳጋሚ ኣንበጣ ምድረ በዳ ንሓደ ዕስሪት ህይወትን መንብሮን ህዝቢ ከምዘዕኑ ይግምግም።

ከምዚ ዝዓይነቱ በላዒ እጸዋት ኣንበጣ በረኻ - ፈለማ ንጹል ህይወት እዩ ዘለዎ። እንቋቑሖ ተጸፍዩ ምስ ተጫጨሐ በብቑሩብ ናብ ኩብኩብታ ይቕየር - ጸኒሑ ከኣ ይነፍር።

ኣንበጣ በረኻ ኣብ ዕብየቱን ምዕባለኡን ተለዋዋጢ ባህሪያት እዩ ዘለዎ። ብሓንሳብ ክእከቡ እንከለው ንሓደ ልሙዕ መሬት የብርሱ። እቲ ንጹል ህይወት ሓዲጎም ናብ ሓደ አዕናዊ ፍጥረት ይቕየሩ።

ተጫጪሖም ኩብኩብታ ምስ ኮኑ ሕብሪ ይቕይሩ። ካብኡ ጉጀለ ኣቚሞም ብዕስለ ይነፍሩን ሓደጋ የስዕቡን።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣንበጣ ገዘፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ክሳብ 10 ቢልዮን ዝኸውን ዕስለ ኣቚሞም ንኣማኢት ኪሎሜተራት ይሽፍኑ። እናተራብሑ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 220 ኪ-ሜተር ዝኸውን ዘራእትን ዕጸዋትን የብርሱ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ሓደ ዕስለ ኣንበጣ፡ ናይ ዓመት መግቢ ናይ 2,500 ሰባት ክበልዕ ይኽእል።

ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ እቲ ኣብ 2003-05 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ፡ ኣስታት $2.5ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዘራእቲ አዐንዩ እዩ።

ኣብ 30ታት 40ታትን 50ታትን ዝተራእ የካብዚ ዝተገልጸ ዝዓብን አዕናውን ኣንበጣ እውን ኣሎ። ክሳብ ብለባዳ ዝግለጽ ብዝሒ ብሓደ እዋን ሓያሎ ዞባታት የጥቅዑን ይሽፍኑን።

ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ)፡ እቲ ሓደገኛ ሳጋሚ ኣንበጣ ምድረ በዳ ንሓደ ዕስሪት ህይወትን መንብሮን ህዝቢ ከምዘዕኑ ይግምግም።

ኣብ 1926-2019 ዕስለ ኣንበጣ ዝተራእየለን ሃገራት።
ዓመተ ምሕረት ሃሚ ዓብዩን ዓሪጉን'ዶ ኣንቆልቂሉን ጎዲሉን ለበዳ - ወራር
20190180
2018000
2017000
2016500
2015200
2014700
20131000
2012900
2011700
2010400
2009500
2008800
20071300
2006100
20050200
20040230
2003500
2002000
2001000
2000200
1999400
1998700
19971200
19961500
19951500
19941300
19932000
1992500
1991000
1990300
19890150
19880026
19871500
19861200
1985200
1984000
1983700
1982500
1981500
1980600
1979040
19780150
1977300
1976900
1975700
19741100
1973700
1972500
1971400
1970700
19690110
19680250
1967700
1966200
1965400
1964600
19630100
19620290
19610290
19600044
19590047
19580041
19570037
19560035
19550043
19540040
19530043
19520027
19510410
19500330
1949900
19481200
19470290
19460360
19450042
19440047
19430043
19420035
19410240
1940060
1939500
1938300
1937600
1936600
1935600
1934090
19330180
19320027
19310035
19300045
19290041
19280034
19270220
1926080
ምንጪ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ)
ሓበሬታ፡ ሃሚ ዝበሃል እቲ ዕስለ ኣንበጣ ክስሑ እንከሎ እዩ። ብዝሒ ማለት ከኣ ኣንበጣ እናተራብሐ ክባዛሕ እንከሎ እዩ። ለበዳ ማለት ከኣ ንልዕሊ ዓመት ዝጸንሕ ገፊሕ ዝርገሐ ምስ ዝህሉ እዩ። መወዳእታ ናይ ለበዳ ዝበሃል ከኣ ብዝሒ እቲ ኣንበጣ ክጎድል እንከሎ እዩ።

እዚ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ፓኪስታንን ዘራእትን ብቑልን አዕንዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝተራእየ ዝኸፍአ ወራር ኣንበጣ ምድረ በዳ ዘራእትን መጋሃጫን ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ጂቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን የዕኑ ኣሎ። ኪንኡ እውን ንውሕስነት መግቢ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ስግኣት ኣውዲቑዎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ በላዕተኛ ባልዕ ኣብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዕንወት ኣብጺሑ ናብ ኬንያ ሰጊሩ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ካብቲ ቅድሚ 25 ዝተራእየ ወራር ዝኸፍአ ክኸውን እንለከሎ ኣብ ኬንያ ግን ቅድሚ ሰብዓ ዓመት እንተዘይኮይኑ ከምዚ ኣይተራእየን።

ሶማልያ ነቲ ቕልውላው'ዚ ንምብዳህ ሃገራዊ ህጹጽ ግዜ ኣዊጃ ኣላ። ወራር ኣንበጣ ኣብ ፓኪስታን ዘራእቲ ጡጥ፡ ስርናይን ዑፉንን መሰዕነወ እታ ሃገር እውን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጃ እያ።

ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ)፡ እዚ ወራር ኣንበጣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ይባዛሕ ስለዘሎ እቲ ቑጽሪ ናብ 500 ዕጽፊ ክባዛሕን ዘሰምብድ ዕንወት ከየኸትልን ስግኣት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ሓደጋ ወራር ኣንበጣ ዝረኣየለን ዘሎ ሃገራት

ዕስለ ኣንበጣ ከመይ ገይሩ ንቐርኒ ኣፍሪቃ፡ ንክልቲኡ ሸነኻት ቀይሕ ባሕርን ህንድን ፓኪስታንን  ከምዝወረራ ዘርኢ ካርታ (ማፕ)። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ኬንያን ሶማልያን በጺሑ ኣሎ። ናብ ካልእ ሃገራት ከይልሕም ከኣ ስግኣት ኣሎ። ምንጪ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ለካቲት 2020

ሰበስልጣን ኡጋንዳ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብታ ሃገር ከምዝሰገረ ሓቢሮም። ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ከኣ እቲ ብብዝሒ ዝፋረ ዘሎ ኣንበጣ እንተደኣ ብኣግኡ ዘይተመኪቱ ዞባዊ ስግኣት ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ፡ ድሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣስታት 175 ሽሕ ኤክር መሬት አዕንዩ ኣሎ።

ካብ ኣስታት 350 ስኬር ኪ-ሜተር መሬት 1.8 ሚልዮን ቶን ዘራእቲ ከምዝበልዐ ውድብ መግብን ሕርሻን ሓቢሩ።

እቲ ውድብ፡ ኣብ ኬንያ፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ፡ 40 ብ 06 ኪ-ሜተር ኣብ ዝስፍሓቱ ቦታ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ይኣምን።

ሓደ ኣንበጣ ማዕረ ክንደይ ዘራእቲ ይበልዕ?

እኹል ኣንበጣ ምድረ በዳ መዓልታዊ ማዕረ ክብደቱ ክልተ ግራም መግቢ ይበልዕ። ብመልክዕ ግራፍ ሓበሬታ ዘርኢ ምስሊ ( ኢንፍግራፍ) ሓደ ኣንበጣ መዓልታዊ ክንዲ ክብደቱ ክልተ ግራም መግቢ ከምዝበልዕ የርኢ። ኣብ ሓደ ስኬር ኪ-ሜተር ዝተዘርገሐ ዕስለ ኣንበጣ መግቢ 35 ሽሕ ሰባት ይበልዕ። ምንጪ ሓበሬታ፡ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ( ፋኦ)

ሰበስልጣን እቲ ዞባ፡ እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብቲ ድሮ ብዕልቕልቕን ደርቅን ዝተሃስየ ከባቢ፡ ንሕርሻዊ ምህርቲ ኣጉዲሉ ሕጽረት መግቢ ከየኸትል ኣስጊኡዎም ኣሎ። ኣብቲ ዞባ ድሮ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙዎም ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን፡ ነባር ተነባይትን ኣማቲትን ዕስለ ኣንበጣ ኬይት ክረስማን "በተን ዝበዝሕ ዕስለ ኣንበጣ ዘለወን ሃገራት ኬንያን ኢትዮጵያን ኣዚና ኢና ንሻቐል" ትብል።

" ኣብ ኢትዮጵያ እውን እቲ ኣንበጣ ይፋረን ይራባሕን ስለዘሎ እቲ ቑጽሪ ክውስኽ ይኽእል እዩ"

ምስሊ ናይቲ ብዕስለ ኣንበጣ ዝተበልዐ ዘራእቲ ዓሊ-ቢላ ዋቆ

እቲ ወዲ 68 ዓመት ዓሊ-ቢላ ዋቆ፡ ድሕሪ ሓያሎ እዋን ደርቂ ሎሚ ዓመት ብዝነበረ ህጡር ክራማት ዝምስገን ምህርቲ ክሓፍስ እዩ ትጽቢት ነይሩዎ።

እንተኾነ እቲ ዕስለ ኣንበጣ፡ ንሕርሻ ዕፉንን ባልደንጓን ብምሉኡ በሊዑዎ።

" ዝበዝሐ ዘራእትና ኣንበጣ በሊዑዎ እዩ። እቲ ዘይበልዖ ከኣ ኣሕሪሩዎ። እቲ ኣንበጣ ብዙሕ እዩ ሃስዩና። ምህርትና ብአዒንትና ርኢና ስኢንናዮ" ኢሉ።

ኣቶ ዋቆ ነቲ ኣብ 1960ታት ንምድረ ሰማይ ዝኸደነ ኣንበጣ ዘውረዶ ዕንወት ይዝክሮ።

" እቲ ናይ ሽዑ ዕስለ ኣንበጣ ብብዝሑ ዝኣክል ጥራሕ ንጸሓይ ጋሪዱዋ ነይሩ" ይብል።

እዚ ዘይንቡር ኩነታት ኣየር ነቲ ቅልውላው ኣጋዲዱዎ እዩ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ እቲ ኣብ 2018-19 ዝተራእየ ዑደት ከቢድ ዝናብን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣንበጣ ምድረ በዳ ኣብ ኣስታት 30 ሃገራት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃን ህንድን ኣብ ንቑጽ ምድሪ ኣብ ኣስታት 16 ሚልዮን ትርብዒት ኪ.ሜ (6.2 ሚልዮን ትርብዒት ማይልስ) ይነብር።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ወሽመጥ ደቡብ ዓረብ ዝነበረ ምቹእ ጠሊ ሰለስተ ወለዶታት ከይተራእዩ፡ ብዘይ ጸገም ክራብሑን ክዝርግሑን ከምዝሓገዘ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

እቲ ብዝሒ ካብ 2018 ኣትሒዙ ይምዕብል ነይሩ

ናይቲ ኣንበጣ ሓሳኹ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ከመይ ኢሎም ካብ ናይ ወሽመጥ ዓረብ  ናብ ቀርኒ ኣፈሪቃን ናብ ዶባት ህንድን ፓኪስታንን ከም ዝማዕበሉ እቲ ስእሊ የመልክት። ምንጪ፡ ፋኦ (FAO), ጥሪ 2020

እቶም ናይ መጀመርያ ሓሳኹ ኣብ መጀመርያ ናይ 2019 ቅድሚ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምኻዶም፡ ናብ የመንን፡ ስዑዲ ዓረብን፡ ኢራንን ኣመሪሖም።

ብተወሳኺ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ኬንያን ጫጪሖም።

ስእሊ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ከባቢ ሳምቡሩ ኬንያ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ዩ.ኤን UN "ብዘይ መጠን ኣሰካፊ" ኢሉ ዝገለጾ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ቀይሕ ባሕሪ፡ ንግብጽን፡ ሱዳንን፡ ስዑድ ዓረብን፡ የመንን፡ ከምኡ'ወን ዶባት ህንድን ፓኪስታንን ዝጸሉ ዕስለ ማዕቢሉ።

ሽሕ እኳ ነዚ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ከባቢ ዝሸፈነ ሓሽከት ኣንበጣ ክትገጥሞ ከቢድ እንተኾነ፡ ናይ FAO's ኣቦወንበር ኣቶ ክረስማን ነዚ ተርእዮ እዚ መዕለቢ ክግበር ኣቀዲምና ክንገብሮ ዝግበኣና ነገር ከምዝነበረና ይኣምን።

ንሱ፡ ነዚ ንምግታእ ካብዚ ንላዕሊ እንተንሰርሕን ዕዉት ጸዕርታት ተገይሩ ነይሩ እንዝኸውን፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ምጉዳል ምሓገዘ ነይሩ።

ህዝቢ ነዚ ገዚፍ ዕስለ ንምግጣም ይፍትኑ ኣለዉ።

እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፈሪቃ ብዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፡ ብዝሑ ክንደይ ከምዝኸውንን፡ ማዕረ ክንደይ ኣዕናዊ ከምዝኾነን ክትግምቶ ኣጸጋሚ ስለዝኾነን፡ ሃገራት ኣብ ከቢደ ሻቅሎት ተሸሚመን ኣለዋ።

ቁጽጽር ናይዚ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ረቋሒታት ይምርኮስ- ኣብ ምክትታልን ኣብ ኣድማዒ ምቁጽጻርን

ብፋኦ (FAO) ዝካየድ ደዘርት ሎከስት ኢንፎርመሽን ሰርቪስ (Desert Locust Information Service)፡ ናይ ቅድመ ምድላው ግዝያት መጠንቀቅታን፡ መጠነ ስፍሓትን፡ ዝወርዎምን ዝፋረዩሎምን ቦታታት ብምጥቃስ ኣተንቢሁ።

ሓደ ግዜ እቲ ብዝሒ ናይቲ ኣንበጣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ እንተበጺሑ፡ ንኣብነት ኣብ በዓል ከም ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ናይ ኣንበጣ ብዝሒ ንምንካይን ካልእ ዕስለ ከይገብሩን ከይፋረዩን፡ ህጹጽ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ።

ዕስለ ኣንበጣ ብኸመይ ትገጥሞ

ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ግራፊክስ፡ ዕስለ ኣንበጣ ብኣጋርን፡ ብነፈርትን፡ ወይ'ውን ብመካይን ጌይርካ ብዝንስነስ መድሃኒተ ጸረ-ባልዕ ጌይርካ ክብዳህ ይኽእል። ምንጪ፡ ፋኦ FAO

ኣቶ ክረስማን 'ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን መጠነ ሰፊሕ ናይ ጠፈር መስርሕ ምክልኻል የድሊ-ከምኡ እውን ኣብ ሶማል ወላ'ኳ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ዘይከኣል እንተኾነ፡ ይብል ኣቶ ክረስማን።

ኣብዚ እዋን እዚ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ እኹል ደረጃ በጺሑ ስለዘሎ፡ ዳግም ብምፍራይ ካልኦት እኹላት ከየፍረየ ብነፈርቲ ጌረካ ኣጸቢቅካ ምድካሩ ምሓሸ።'

ሽሕ እኳ ንመሬት ዘይጓድኡ መፍትሒታት ስነ-ሂወታውያን ባልዓትን ባህርያውያን ባልዓትነ ንምርካብ መጽናዕትታት ይካየዱ እንተለዉ፡ እቲ ልሙድ ናይ መቆጻጸሪ ኣገባበ ግን ጸረ-ሓሳኹ ዝንስነስ ፈውሲ እዩ።

ብኢድካ ብምንፋሕን መካይን ብምጥቃምን ወይ'ውን ብነፈርቲ ጌይርካ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብመድሃኒት ጌይርካ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ዕስለ ኣንበጣ ዕላማ ብምግባር ክቅተል ይኽእል።

ወላኳ ነዚ መጠነ ሰፊሕ ወራር ኣንበጣ ኣብ ኬንያ ሓያል ናይ ምንስናስ መድሃኒት ጻዕሪ ይካየድ እንተሎ፡ ነዚ ኣብ ርሑቅ ቦታታትን ብጣዕሚ ብዙሕ ዕስለን ንምቁጽጻር ናይ ቀረብ ብድሆ ኮይኑ ኣሎ።

ስእሊ ናይቲ ዝዓነወ ኣእካል ዓሊ ቢላ ዋቆ

መከላኸሊ ስለዘይብለንን፡ ናይ ቀረባ ሕሉፍ ተዘክሮ ስለዘይብለንን፡ ነተን ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ዘየጋጠመን ሃገራትን ዞባታትን ብጣዕሚ ከቢድ ክኸውን እዩ።

ኣቶ ክረስማን "እዚ ዕስለ ኣንበጣ ደጊሙ ምስ ዝመጽእ ዓቢ ራዕዲ ክፈጥር ይኽእል እዩ" ይብል።

ኣብ ሶማልያን፡ ኢትዮጵያን፡ ኬንያን፡ ከምኡ ውን ኣብ ፓኪስታን ዝተወስደ ሰጉምቲ፡ ነቲ ቀጺሉ ዝካየድ ተግባር ክውስኖ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ብዙሓት ዶባት እንተሰጊሩን፡ ብዙሓት ዞባታት እንተ ኣጥቂዑን፡ ኣእካል እንተ ኣጥፉኡን ናይ ብሓቂ ዕንወት ተባሂሉ ክእወጅ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ UN ኣብዚ እዋን እዚ መድሃኒት ኣብ ጠፈርን ኣብ ምድርን ምንስናስ እኹል ከም ዘይኮነን፡ ኣህጉራውያን ገበርቲ ሰናይ ከኣ ገበርቲ ሰናይ ነዚ ሽግር ንምግጣም፡ ናይ $70ሚልዮን (54 ሚልዮን ኤውሮ) ናይ ህጹጽ ረድኤት ክገብራ ተማሕጺኑ።

ንኬንያዊ ሓረስታይ ዋቆን ስድርኡን፡ ሕጂ ዝውሰድ ውሳነ ብጣዕሚ ከም ዝደንጎየ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ቃልሲ ኣንጸር እዞም ሓሳኹ ክኸውን ዝኽእል ጀረካናት እናሃረምካ ዓው ኢልካ ምውጫጭ ጥራሕ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ፍጸሜ ንሱ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ኣለዎ።

ንሱ "እዚ ፍቃድ ኣምላኽ እዩ። ሰራዊቱ ከኣ እዮም" ይብል።

ምስጋና

ቃላትን ፕሮዳክሽንን ብሉሲ ሮጀርስ፡ ብጆይ ኢንዉድ ፕሮዳክሽን ዝተሰርዐ፡ ዲዛይን ከኣ ብዞይ ባርቶሎመውን፡ ሚልየ ዋቺራን፡ ብበኪ ራሽ፡ ካትሪዮና ሞሪስን፡ ፕዩሪቲ ቢሪር ዝማዕበለት። ስእሊ ናይ ኣንበጣ ብስዊድበርት ኣር ኦተን ስተፈን ሮጀረስን ናይ ገቲ (Getty) ኣሳእልን። ናይ ኬንያውያን ማሕረስ ስእሊ ብቢቢስን።


ተወሳኺ ዛንታ ኣብዚ ዛዕባ