ሊግ ሃገራት እንታይ ኢዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣቓልቦ ኣፍቀርቲ ስፖርት ሒዙ ዝጸንሐ ዋንጫ ዓለም ምስ ተዛዘመ፤ ጎዲሉ ዝጸንሐ ቁጽሪ ተኸታተልቲ ደጊሙ ወሲኹ ኣሎ።
መበል ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ ኣብ ዘሎ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ እቲ ምትሕልላኽ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ኣሎ።
ሊቨርፑል፡ ቸልስን ዋትፎርድን ካብ ኣርባዕተ ጸወታታት፡ 12 ነጥቢ ብምዉህላል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክስርዓ ከለዋ፤ ኣብ ኩሉ ጸወታታት ዝተሳዕረት ዌስትሃም፤ ኣብቲ መስርዕ ናይ መወዳእታ ተርታ ሒዛ ኣላ።
ኣብ ግጥማት ላሊጋ ስጳኛ፡ ባርሴሎናን ሪያል ማድሪድን ኣብ ዝገበርኦ ሰለስተ ጸወታታት ብምሉኡ ብምዕዋት፡ ናይ ላሊጋ ተዓዋቲ ንምዃን ዝገብርኦ ምርብራብ ተተሓሒዘንኦ ኣለዋ።
ብመሰረት ሓድሽ ኣሰራርሓ ፊፋ ኣብዚ ሰሙን፡ ኩሎም ናይ ኤሮጳ ሊጋት ዉሽጣዊ ዉድድር ኣይከካይዱን ኢዮም። እዚ ዝኾነ ፊፋ 'ትርጉም ኣልቦ' ንዝበሎም ናይ ምሕዝነት ጸወታታት ንምትራፍ ዘዳለዎ ሊግ ሃገራት ሓሙስ ስለ ዝጀመረ ኢዩ።
ኣብ መክፈቲ ዕለት፡ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም'ዚ ዓመት፡ ምስ ናይ 2014 ተዓዋቲት፡ ጀርመን ክራኸባ ከለዋ፡ ዝኾነ ሸቶ ብዘይምምዝጋቡ ብማዕረ ተዛዚሙ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም ንፍጻመ ምስ ፈረንሳ ገጢማ 4 ብ 2 ዝተሳዕረት ክሮኤሽያ ምስ ፖርቱጋል ዝነበራ ጸወታ 1 ብ 1 ኢያ ተፈላልያ።
ብ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሪያን ጊግስ ዝእለዩ ዌልስ ምስ ኣየርላንድ ኣብ ዝገበርዎ ግጥም 4 ብ 1 ብሰፊሕ ብምዕዋቶም ኣሰልጣኒ ጊግስ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ነጥቢ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።
ሃገራት ናይ ቅድመ ምድላዉ ጸወታታት ኣተኲሮም ክጻወቱ ይሕግዝ ኢሉ ፊፋ ዘዳለዎ እዚ ሓድሽ ናይ ሃገራት ሊግ 55 ሃገራት ከሳትፍ ኢዩ።
ምድብ እተን ሃገራት ዝዉሰን፡ ፊፋ ዓመታዊ ብዘዉጽኦ ተርታ ናይ ሃገራት ዓለም ክኸዉን ከሎ፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣባላት ክህልዎ ኢዩ።
በዚ መሰረት'ቲ ዝካየድ ዉድድር ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ዝዛዘም ኮይኑ፤ እታ ተዓዋቲት ሃገራዊት ጋንታ 'ሻምፕዮና ሊግ ሃገራት' ክትበሃል ኢያ።
ካብ እቶም ቀዳምን ሰንበትን ዝካየዱ ግጥማት፡ ኣብ መንጎ እንግሊዝን ስፓኛን ዝግበር ግጥም፡ ብዙሓት ዝጽበይዎ ኢዩ።