መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019፡ ዉጽኢት ግጥማት ቀዳመ-ሰንበት

ጌታነህ ከበደ Image copyright AFP

ኣብ 2019 ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝግበር ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጻረዪ ግጥማት ኣብ ምክያድ ዝርከባ ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝነበረ ግጥማት ክንድህስስ።

ኣብ ሃዋሳ ስታደየም ምስ ሴራሊዮን ዝገጠመት ኢትዮጵያ ጌታነህ ከበደ ብዘቑጸራ ናይ ፍጹም ቅላዕ ሸቶ 1 ብ 0 ብምዕወት ናይ ፈለማ 3 ነጥቢ ክትሓፍስ ክኢላ ኣላ።

ኣብቲ ምድብ ምስ ኢትዮጵያ ዝርከባ ጋናን ኬንያ ኣብ ዝገበርኦ ግጥም ድማ ኬንያ 1 ብ 0 ብምዕዋት ሰለስተ ነጥቢ ሓፊሳ።

በዚ ድማ ኣበቲ ምድብ ዝርከባ ኣርባዕቲአን ሃገራት ሰሰለስተ ነጥቢ ኣዋህሊለን ኣለዋ።

Image copyright CAF

ዝቕጽል ጸወታ ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ክኸዉን ከሎ፡ ኣብ ስታድዩም ባህርዳር ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ክካየድ ኢዩ።

ቀዳም ኣብ ዝተካየደ ካልእ ጸወታታት፡ ኮሞሮስ ምስ ካሜሩን ጋቦን ድማ ምስ ብሩንዲ 1 ብ 1፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሊብያ፡ ኡጋንዳ ድማ ምስ ቱኒዝያ 0 ብ 0 ተፈላልየን።

ኣብ ካልእ ጸወታታት ኢኳቶርያል ጊኒ ንሱዳን 1 ብ 0፡ ናይጀርያ ንሲሸልስ 3 ብ 0፡ ጋምቢያ ምስ ኣልጀርያ ናሚብያ ምስ ዛምቢያ 1 ብ 1፡ ሞዛምቢክ ምስ ጊኒ ቢሳዉ 2 ብ 2፡ ሞዉሪታንያ ምስ ቡርኪና ፋሶ 2 ብ 0፡ ግብጺ ንኒጀር 6 ብ 0 ከመኡዉን ሞሮኮ ንማላዊ 3 ብ 0 ስዒረን ኣለዋ።

ሰንበት ኣብ ዝተኻየዱ ጸወታታት ድማ ማዳጋስካርን ሰነጋልን 2 ብ 2 ክፈላለያ ከለዋ ሌሴቶ ምሰ ከፕ ቨርድ፡ ኮንጎ ምስ ዚምባብወ ከምኡዉን ላይበርያ ምስ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ 1 ብ 1 ተፈላልየን።

ቱኒዝያ ንስዋዚላንድ 2 ብ 0፡ ኮት ዲቮር ንርዋንዳ 2 ብ 1፡ ማሊ ንደቡብ ሱዳን 3 ብ 0፡ ጊኒ ን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ 1 ብ 0 ስዒረን፡ ቶጎ ድማ ምስ ቤኒን ብዘይ ሸቶ ተፈላልየን።