ኤርትራ

  1. ክፍሊ ሕሙማት

    ኣብ እዋን ዕጽዋታት ለበዳ ኮቪድ-19፡ መብዛሕትኦም ክፍልታት ሕክምና ብሰንኪ ሕጽረት ሰብሞያ ክዕጸዉ እንከለዉ፡ ኣብ ናይ ዕረፍቲ መዓልታታ ከይተረፈ እናወፈረት፡ እቲ ናታ ክፍሊ ኣገልግሎቱ ክቕጽል ኣኽኢላ። ንሳ፡ ነቶም መብዛሕትአን ንኣሽቱ ኣዋልድ ዝኾና ተኣለይቲ፡ ጽምዋን ተነጽሎን ተሰሚዕዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስነኣእምሮኣዊ ቅልውላዉ ከይኣትዉ፡ ብገንዘባ መጽሓፍትን መዘናግዒ ነገራትን ትገዝኣሎም ከም ዝነበረት'ውን ተመስኪሩላ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ እዋን ልምምድ 16 ነሓሰ 2021 ኣብ ኣዲስ ኣበባ

    ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሓሙሽት ጎል ዕዳ ሒዛ ኣብ ዘይሜዳኣ ትገብሮ ግጥም ኣዝዩ ክኽብዳ ከምዝኽእል ርዱእ ወሲድና፡ ካብ ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ብድምር ናይ ክልቲኡ ጸወታታት ዝሰዓረት ምስ ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ጂቡትን ርዋንዳን ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ክትገጥም'ያ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. ኣብ ጃልባ ዝተጸዓኑ ስደተኛታት

    ኪዳነ ዘካርያስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓደ ዓመት ብጉዳይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኮይኑ ጉዳዩ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት 2020 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከምዝተሰወረ ይዝከር።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. ሓበን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ኦባማ

    ሓበን ግርማ ትበሃል። መበቈላ ኤርትራዊት ኰይና ዜግነታ ኣሜሪካዊት’ያ። ሓበን ብ29 ሓምለ 1988 ኣብ ኦክላንድ (ካሊፎርንያ) ካብ ኣቦኣ ግርማ ኪዳነ ኣድጎይን ኣዲኣ ሳባ ገብረየሱስን ኢያ ተወሊዳ። ዓይነስዉር ጥራይ ዘይኰነትስ ክትሰምዕ’ውን ኣይትኽእልን። እዛ ድርብ ስንክልና ዘሎዋ ሰብ ንስንክልና ፈንጢሳ ኣብ ዝለዓለ ፍረ-ጻማ ዝበጽሐት ብትእምርቲ እትጥመት ሰብ’ያ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  5. ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ

    ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ: ኤርትራ እትርከበን 18 ሃገራት ንዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ኣባላት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይነን ከገልግላ መሪጹ። ኤርትራ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ክትከውን ምምራጻ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ንካልኣይ ጊዚኣ እያ ትምረጽ ዘላ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. ገንዘብ ኤርትራ

    ኤርትራ: ንውሕስነት መግቢ እታ ሃገርን ኣፍሪቃን 'ስትራቴጂካዊ ዕድል እዩ' ተባሂሉ ዝግለጽ ሃብቲ ማዕድን ፖታሽ ከምኡ'ን ወርቂ ዝርከብዎም ጸጋታት ዝተዓደለት ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘይስሩዕን ዘይንጹርን ባጀታዊ ስርዓት፡ ምብሓት ቁጠባ ብንግዳዊ ትካላት ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ብሰራዊት ዝመሓደራ ትካላት፡ ቁጠባ እታ ሃገር እናተዳኸመ ክመጽእ ምጽንሑ ኪኢላታት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ስደተኛ ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ህይወት ክመርሕ 2020 እዩ ኣቲዩ

    ብቑልዕነቱ፡ ካብ መበቆል ዓዱ ኤርትራ ሃዲሙ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ ክነብር ዝጸንሐ ስደተኛ ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ህይወት ክመርሕ ተስፋ ነበሮ። እንተኾነ ኣብ መበል 23 ዓመቱ፡ ኣብ ምዕራብ ሚድላንድስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኮቨንተሪ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና አእምሮ ባዕሉ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ይእመን።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ኤልያስ ክብራብ

    ኤልያስ ንድሕረ ባይታ እቶም ኣብቲ ናይ 100 ማይል ዝተሰለፉ ተቐዳደምቲ ምስ ኣንበቦ " ነዚኦም እኳ ክንደየናይ ከይቅድሞም" ብምባል ግን ንነብሱ ዝሃባ ናይ ግዜ ገደብ ነይሩ። እቲ ዝሓሰቦ ግዜ ኣብ እዋኑ ስለዝዛዘሞ ከኣ "ዝሓለነ ይዕወት!" ከምዝበሃል ነቲ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ነቲ መዓልቲ ዘዘክር ሽልማት ወሲዱ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  9. ስዒድ ነጋሽ

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦለኛ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ፡ ስዒድ ነጋሽ ዝተባህለ ትውልደ ኤርትራዊ ንፈለማ እዋን ናብ ባይቶ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝተመረጸ ጸሊም ኮይኑ'ሎ። ንሱ፡ ብወልቁ ተወዳዲሩ'ዩ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ክዕወት ክኢሉ። ኣብ ፖለቲካ ኢጣልያ ንልዕሊ 15 ዓመት ክሳተፍ ዝጸንሐ ስዒድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ንጥፈታት ክዋስእ ምጽንሑ'ዩ ዝዛረብ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  10. Video content

    Video caption: ሓሙሽተ ኣብ ስደት ኣብ ፖለቲካ ዕዙዝ ዓወታት ካብ ዘመዝገቡ ትውልደ ኤርትራውያን ክነላልየኩም!

    ሓሙሽተ ኣብ ስደት ኣብ ፖለቲካ ዕዙዝ ዓወታት ካብ ዘመዝገቡ ትውልደ ኤርትራውያን ክነላልየኩም!