ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ

  1. ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

    ሰልፊ ብልጽግና ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ንክመርሕ ሕጹይ ገይሩ ዘቕረቦ ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ። ኣብ ሓደ እዋን "ናብ ትግራይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እምበር ዓረር ክልእኽ ኣይደልን” ኢሉ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ህወሓት ብኣፅዋር ኣብ ዝተደገፈ ኵናት ተፀሚዱ ይርከብ። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2018 ዓ.ም እዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኑ። ህዝቢ ኦሮሞ ዘካየዶ ናዕቢ ድማ እቲ ቀደማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ክመጽእ ምኽንያት ኮይኑዎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. "ብጸሎትን ብረትን ብኽልቲኡ ክዋጋእ እየ" ይብል ኣባ ገብረማርያም ኣደራው

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኵሉ ዓቕሚ ዘለዎ ዘበለ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝግበር ቃልሲ ክሳተፍ ጻውዒት ምስ ኣቕረበ፡ ኣባ ገብረማርያም ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጸምቢሩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ

    ብቐረባ ዝፈልጥዎ ከምዝሕብርዎ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከም ምድምሳስ ውቃው እዝ 1984፤ ምድምሳስ ናደው እዝ 1988፤ ስግረ ዶባዊ ስርሒት ኣሶሳ ኢትዮጵያ 1990፤ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ናጻ ሓራ ብምውጻእ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ስርዓት ደርግ ብምድኻም ንምስዓሩ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል 1990፤ ከምኡ'ውን ኣብ ዛዛሚ ኵናት 1991 ንሰራዊቱ መሪሑ ንኤርትራ ሓራ ኣብ ምውጻእ ተሳቲፉ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. ጊደዎን ጢሞጤዎስ

    ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ስፍሕ ዝበለ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ሰብ ዝቐዘፈ ከዊናት ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ሓልታት ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ሓደጋ ዓጸቦን ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕተት ኣካይዱ'ሎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  5. ሳማንታ ፓወር

    ኣመሪካ ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ውግእ ዘካይዱሎም ዘለው ቦታታት ክወጽኡ ጸዊዓ

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሪሽ

    ኤጀንሲ ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደትን ከም ዝብሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብቶም መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡሎም ከባቢታት ከም ዝኣተው ብምግላጽ ክሳብ ሕጂ ብውሑድ ሽዱሽተ ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ ዘመላኽቱ መረዳእታታት ኣለውኒ ይብል።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ 8 ሓምለ 2018

    ኣብቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘዳለወሎም ናይ ድራር እንግዶት ከኣ "ድሕሪ ሕጂ ትነብዕ ኤርትራዊት ኣደ ኣይክትህሉን እያ። መንእሰያት ኤርትራ ብኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ናብ ስደት ኣይክኸዱን እዮም" ብምባል እቲ ህዝቢ ዝምነዮን ዝደልዮን ቃል ምስ ኣስመዐ፡ በቲ ልዙብን መሳጥን ቃላቱ ብዙሕ ሰብ 'እዝግሄር ጸሎትና ሰሚዑ ገኒሑ ክዕረቐና ነዚ ቅቡእ ሰብ ልኢኹልና' ክሳብ ምባል ከምዝተበጽሐ ዝዝከር እዩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ወተሃደራት ኢትዮጵያ

    ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ፡ እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘይምፍጻሞም ብዕሊ ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ኣብ ስራሕቲ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይሳተፉ ክእገዱ ኣለዎም ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  9. ቱኒዝያ

    ኣብ ገምገም ባሕሪ ቱኒዝያ ስደተኛታት ዝተሳፈሩላ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 43 ተጓዓዝቲ ከምዝጠለቑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  10. ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡

    እዚ ኮማንደር ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ጻድቃን ዓለምለኻዊ ተንታኒ ድሕነትን ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣለው ዝብሃሉ ሓንጸጽቲ ወተሃደራዊ ስትራቴጅን እዩ። ትንታንኡ፣ ንትካላዊ መሪሕነት ዘለዎ ክእለትን ዓቕምን ኣብ መወዳእታ 1980ታት ካብ ብጾቱ እምነት ክረክብ ስለ ዝገበሩዎ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝኽበሩን ዝፍተውን ኮማንደራት ክኸውን በቒዑ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next