ሱዳን

  1. ሌተናንት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሕመቲ)

    ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ንሰራዊት ሱዳን ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ምስቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዝፈሸለ ዕልዋ ብዝተኣሳሰር 21 ኣዘዝትን ብርክት ወተሃደራትን ተኣሲሮ ክብል እንከሎ፡ ካልኦት ገበነኛታት ንምሓዝ ዝግበር ኣለሻ ከም ዝቐጸለ ሓቢሩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሱዳን ሚሪያም ኣል ሳዲቅ ኣል መሃዲን

    ንክልቲአን ሃገራት ዘዋጥጥ ዘሎ ከባቢ ኣልፋሽጋ ንሕርሻ ዝሰማማዕ ልሙዕ ብምዃኑ ክልቲአን ሃገራት ዝሃርፈኦ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ኲናት ምውልዑ ስዒቡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ሱዳን ምስ ኣንቀሳቐሰት፡ ሱዳን ወታሃደራታ ኣዋፊራ ነቶም ኢትዮጵያውያን ብምስጓግ ነቲ ከባቢ ተቖጻጺራቶ፡፡

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. ሩባ ተከዘ

    ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንሱዳን ካብ ዝሰደድ 10 ወርሒ ዝገበረ ኣይተ ዳዊት፡ ካብቲ ህይወቱ ንምድሓን ዝሰገረሉ ሩባ ተከዘ፡ ዓሳ ብምዝፋፍ፡ ኣብ ሓምዳይት ናብ ዝርከቡ ሱዳናውያንን ካልኦትን ብምሻጥ ይመሓደር። እንተኾነ ብ17 ሓምለ 2013 ዓ.ም ከም ወትሩ ዓሳ ክገፍፍ ምስ ወፈረ ንቑልቁል ኣፉ ዝተደፍአ ሰብ ርእዩ ምስ ዓርኩ ኣውጺኦም ቀቢሮምዎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. ኣብ ሱዳን ሓደጋ ውሕጅ

    ኣብ ሱዳን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝዘነበ ከቢድ ዝናብ እታ ሃገር ካብ ዘለዉዋ 18 ግዝኣታት ኣብተን 14 ጉድኣት ከምዘብጸሐ ተገሊጹ፡፡

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  5. ሩባ ተከዘ

    ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን፡ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ሻሕኪሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. ኣብዝሓ ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ዝርከቡላ መዓስክር ኡማ ራኩባ።

    ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ከም ዝነከየ፤ እንተኾነ ግን ናበይ ከም ዝኣተዉ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ሰራዊት ዓቃቢ-ሰላም ኣብ ኣቢዬ

    ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግዝኣት ኣቢዬ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ተዋፊሮም ዝርከቡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ሱዳንን ከም ዝተሰማምዑ ተገሊጹ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቱርኪ

    ቅድሚ ክልተ ሰሙን ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኢርዶጋን ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ቴሌፎን ሃገሩ ንኢትዮጵያ ዝድላዩ ዓይነት ሓገዝ ክትገብረላ ድሉውቲ ምዃና ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብ25 ሓምለ 2013 ዓ.ም ብስልኪ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ቱርኪ ንርግኣትን ሰላምን ኢትዮጵያ ዓብዪ ዋጋ ከም እትህብ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ ነይሩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  9. ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝበለ፡ ወተሃደራቱ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ንዘእተውዎን ምስ ኢትዮጵያ ንዘሰሓሕብን ከባቢታት ዶብ ዑደት ኣብ ዝገበረሉን ንዝተሃነጸ መሰረተ ልምዓት መሪቑ ኣብ ዝኸፈተሉን ኣጋጣሚ እዩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  10. ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

    ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ናብ ልዝብ ምእንቲ ክበጽሑን ነቲ ጎንጺ መዕለቢ ክገብሩሉን ምእንቲ ሃገሩ ንኩሎም ወገናት ክትረክብ ምኽኣላ'ውን ተዛሪቡ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next