ሰብኣዊ ሓገዝ

  1. ዝተሃረመት ታንኪ

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ምስ ሰራዊት ትግራይ ምትሕሓዝ ኣለዎም ኣብ ዝበሎም  ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ የካይድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. ገለ ካብ ግዳያት

    ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣይተረኽቦን። ብሰንኪ’ቲ ኩነታት ናብቶም በቲ ኵናት ዝተጸልው ግዳያት፡ ረድኤት ክበጽሕ ከምዘይከኣለ፤ ሰብ መዝን ትካላት ረድኤትን ክሕብሩ ጻኒሖም ኣለው።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. ክልተ ተጋሩ ኣዋልድ

    ድሕሪ ነዊሕ ድኻምን ሃልክን ንመዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም ንከተማ መቐለ ዝኣተው ስድራ ቤታት ኣብ መገዶም ኣቝጽልትን ሰራውርን እናተመገቡ ህይወቶም ከምዘድሓኑ ገሊጾም። ኣብ ትግራይ፡ ኣብቲ ሓደ ዓመት ክደፍን ንእስቶ ዝተረፎ ኵናት፡ ጃምላዊ ጥሜት እኳ እንተጋጠመ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዓለም ለኻዊ ረድኤት ግን “ዓጸቦ” ከምዘጋጠመ ኣይኣወጁን።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ

    እታ ሃገር ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ዘሎ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ቁጠባዊ ማዕቐባት ምንባር ሓዊሱ ንዘለዉ ኩሎም ኣማራጽታት ትግምግም ከምዘላ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  5. ማውሪን ኣቺየንግ

    ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ክሲ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘ ይዝከር። እቶም ሰበስልጣን፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝተዋህቦም ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኦም'ውን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. ሓይልታት ፈደራል

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ መንግስቲ ኣብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ግንባራት፡ ኣብ ልዕሊ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ፡ ሓያል መጥቃዕቲ ከፊቱ ከምዘሎ ጸብጻባት ክሕብሩ ጸኒሐም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ንኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጭን ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ናይ ኣየርን ከበድቲ ብረታትን ደብዳብ ከምዝተኻየደ ሓቢሩ ነይሩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ዘ ዊክንድ

    ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቅድሚ ኣዋርሕ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንዝተሃሰዩ ሰባት ሓገዝ ዝውዕል ሓደ ሚልዮን ዶላር ንዝለገሰ ውሩይ ድምጻዊ ኣቤል ተስፋየ ኣምባሳደር ናይቲ ትካል ገይሩ ሓርይዎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ኣርማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ንሉኣላውነትን ሃገራዊ ጸጥታን እታ ሃገር ስግኣት ዝኾኑ ተግባራት ፈጺሞም ክብል ከሲሱ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  9. እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ

    ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ቀረብ ነዳዲን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ውሱን ስለዝኾነ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ከምዝተጸገሙ ተገንዚበ” ብምባል ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ገሊጹ። ስለዝኾነ፡ ዝምልከቶም ኩሎም ወገናት እቲ ናብ ሲቪላት ዝቐርብ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ምትዕንቓፍ ክቑጠቡ ጸዊዑ’ሎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  10. ጥሜት ዘጥቀዖም ሰባት

    ኣብቲ ክልል ናብቶም ኣዐርዮም ብኲናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ረድኤት ይበጽሕ ብዘይምህላዩ ህይወት ሚሊዮናት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣጠንቒቑ ነይሩ። "ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ" ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል "ብሰንኪ ጥምየት ሞት 150 ሰባት ተመዝጊቡ" ኢሉ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next