ፖለቲካ

  1. ምርጫ

    ባይቶ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ንዓንቀጽ 48 ሕገ መንግስቲ ትግራይ ብምምሕያሽ ቁጽሪ ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ ካብ 152 ናብ 190 ክብ ክብል ገይሩ። በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ባይቶ ካብ ዘለው መናብር እቶም 80 ሚኢታዊት በቲ ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝተሓዝ ኮይኑ፡ 20 ሚኢታዊት ድማ ብተመጣጣኒ ውክልና ንዝተወዳደሩ ውድባት ክወሃብ እዩ። እቲ ምምሕያሽ ግን ንምንታይ ኣድለየ?

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. ኣብ ስሪላንካ: ክልተ ኣሕዋት ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒሰትርን ክኾኑ'ዮም

    እዚም ክልተ ኣሕዋት ‘ህዝባዊ ግንባር ሲሪላንካ’ ኣብ ዝብል ሰልፊ ብሓደ ዝሰርሑ ኮይኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ሰልፎም ነቲ ዝወጠነቶ ምቅያር ናይ ቅዋም ከተግብር ዝኽእል ዓወት ከምዘመዝገበት እዮም ሓቢሮም።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. አቶ ደጀኔ ጣፋ እና አቶ በቀለ ገርባ

    ኣቶ በቀለ ገርባ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ጉዳይ መሰል ዋሕስ ከም ዘይኽልክል ብምግላጽ ‘ናይ ዋሕስ መሰለይ ይኸበር’ ክብል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ። “ኣነ ፖለቲከኛ እምበር ሰራዊት ዘዋፍር ሰብ ኣይኮንኩን” ብምባል’ውን ኣብቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ ኢድ ከም ዘይብሉ ንቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. ንጉስ ስጳኛ ነበር ጅዋን ካርሎስ

    እዚ ወዲ 82 ዓመት ንጉስ ስጳኛ ነበር ክሲ ብልሽውና ቀሪብሉ መርመራ ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰኑይ ናበይ ምኳኑ ከይገለጸ ካብታ ሃገር ከምዝወጽአ’ዩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ንጉሳዊ ስድራ ቤት ገሊጹ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  5. ኣብ ቤሩት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ቁጽሪ ምውታት 78 በጺሑ

    ፕረዚደንት ንሊባኖስ ሎሚ ህጹጽ ኣኼባ ካቡነ ሚኒስተራት ብምጽዋዕ ንክልተ ሳምንታት ዝጸነዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ ኣሎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. መስቀላዊ መገዲ

    እዚ ወተሃደራዊ ምርኢት መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሐን ዘሎን ወጥሪ እዩ ዝመስል። ፈደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብጉዳይ ሃገራዊ ምርጫ "ይጽናሕ'ዶ ይገበር" ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስተሰሓሓቡ እዮም።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

    መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ ነቲ ብባይቶ ፌደሬሽን ዝተልኣኸሉ ደብዳበ “ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ” ክብል ነጺግዎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

    ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኮሚሽነ መረጻ ኣጣይሹ ሓድሽ ሕጊ መረጻ ኣጽዲቑ፡ ኣብዚ 6ይ ዙርያ ዝሳተፉ ተወዳደርቲ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ምምዝጋብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ መዝገባ መረጽትን ጎስጓስ መረጻን ካብ መዓስ ክሳብ መዓስ ከምዝኸውን ከፍልጥ ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  9. ህወሓት

    ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ክልተ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃንን ኣይተ ተስፋ ኣለም ይሕደጎን፡ ትማሊ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ኣራዳ ብዋሕስ ገንዘብ ክፍትሑ ዋለ'ኳ እንተወሰነ፡ ፖሊስ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ልደታ ይግባይ ብምባሉ፡ ከምዘይተፈትሑ ተገሊፁ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  10. ሰልፊ ተቓውሞ

    ኣብ ቤላሩስ ብመወዳደርቲ ፕረዚደንት ዝተወደበ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሳተፍዎ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next