ኢህወዴግ

  1. ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

    ሰልፊ ብልጽግና ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ንክመርሕ ሕጹይ ገይሩ ዘቕረቦ ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ። ኣብ ሓደ እዋን "ናብ ትግራይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እምበር ዓረር ክልእኽ ኣይደልን” ኢሉ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ህወሓት ብኣፅዋር ኣብ ዝተደገፈ ኵናት ተፀሚዱ ይርከብ። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2018 ዓ.ም እዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኑ። ህዝቢ ኦሮሞ ዘካየዶ ናዕቢ ድማ እቲ ቀደማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ክመጽእ ምኽንያት ኮይኑዎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. ኣይተ ሰለሞን አረዳን ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊን

    ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል፡ ኣይተ ሰለሞን ኣረዳ ድማ ምኽትለን ኮይኖም ትማሊ ተሸይሞም። ኣብያተ ፍርዲ ዘይሻራዊ ኮይነን ኣገልግሎት ክህባ ኣብ ምግባር ከም ዝሰርሑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. ሓንቲ ካብተን ዝዓነዋ ኣብያተ ጽሕፈት

    ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባብን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና እቲ ዞባን፡ ነቲ ከባቢ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተኻየደ ውግእን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ መዓልታትን፡ ብሓይልታት ትግራይ ዝተቐተሉ ሰባት ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብቶም ዝቆጻጸርዎም ዘለዉ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ነበርቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕትን ዘካየድዎ ዝምታን ከምዘየለ ብምሕባር፤ እኳ ደኣስ ህዝቢ እቶም ከባብታት ብጽቡቕ ይቕበሎም ከምዘሎ ይገልጹ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. ኣብ እዳጋ ቀመማ ቅመም ዝሸጣ ክልተ ዲቂ ኣንስትዩ

    ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ንፈለማ እዋን ኣብ እተካይዶ ዘላ ሃገራዊ ምርጫ፡ ቢቢሲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝተራእዩ ተቐያየርቲ ምዕባለታትን ብድሆታትን ዳህሲስዎም ኣሎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  5. ኣርማ ሰልፊ ብልጽግና

    ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ምሸት ሰዓት ሰለስተ (ኣቆጻጽራ ግዝእ) ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ፤ ኤፍራታን ግድም ወረዳ ኣጣዬን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሓለፈ ነበርትን ኣመሓደርትን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ነበር ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም

    ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ነበር ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐት፡ ፖሊስ ሎሚ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ምርጫ ኢትዮጵያ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ መንግስቲ ምስ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ዝነበሮ ዝምድና ከምዘመሓይሽን ድልዱል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስፋን ክሰርሕ ምዃኑን ሓቢሩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ድሕሪ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ እንታይ ዝተፈልየ ነገር ክህሉ እዩ?

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ፖሎቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን

    "ካብ ፖሎቲከኛታት ኣቦ ወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ኣቲ ሌንጮ ለታ፡ ኣቶ ባቴ ኤርጌሳ ከምኡ'ውን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ስታዝ ካሚል ሸምሱ ናብ ቃልቲ ብምኻድ እኳ እንተለመንዎም ፍቃደኛታት ክኾኑ ግን ኣይክኣሉን"

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  9. መሪሕነት ህወሓት ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት

    ብ11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ኣብ በረኻ ደደቢት ዝተመስረተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደ ገድሊ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ን28 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፤ ሕዚ ድማ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ስዒቡ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተመሊሱ ይርከብ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  10. ትእምርቲ ህወሓት

    ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝሰረዘ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ቦርድ ህወሓት ኣብ ናይ ዓመጽ ተግባር 'ከምዝተሳተፈ ኣረጋጊጸ' ብዝብል ናብዚ ውሳነ ምብጽሑ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next