ሊብያ

  1. ሰደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

    ካብታ ዝጠሓለት ጃልባ ብህይወት ዝወጽኡ ንኣይኦኤም ከም ዝሓበርዎ፡ ካብቶም ግዳያት 20 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ጃልባ ግን ኣይተፈልጠን።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. "በራሪት ፓላስ" ተባሂላ እትጽዋዕ ነፋሪት ጋዳፊ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናብ ሃገራ ተመሊሳ

    እታ ኤየርባስ ኤ340 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሚቲጋ ቅድሚ ምዕላባ ኣብ ሰማያት ትሪፖሊ ትዛውን ነይራ ክብል ቴሌቪዥን ፓን ዓረብ ኣል ዓረቢያ ጸብጺቡ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. ስደተኛታት

    "በጃኹም ናብ ወደይን ኣደይን ንሱዳን ምለሱኒ፡ እቲ እትሓቱኒ ገንዘብ ኣብ ዓዲ ሰብ ኣትየ ለሚነ ክኸፍለኩም። እዚ ኹሉ ተመባጺዕኩም ኣምጺእኩምኒ ከተብቅዑ" ኢላ እውን እንተእወየት፡ ሊብያ ዳስ ሓውያ ኮይኑዋ፡ ካብ ሱዳን ዝኣቱ እምበር ንሱዳን ዝምለስ ብዘይምህላው ኣብቲ ኣጻምእ በረኻ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት እቲ ዝመጽእ እናተጸበየት ብጭንቀት ተሕልፎ ኣላ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. ስደት፡ ሓደ ገባሪ ሰናይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ረኺበ ኢሉ

    እቲ ትካል ገሊኦም ስእልታት ካብ ሊቢያ ከም ዝረኸቦም ብምግላጽ እቶም ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ሓደገኛ መገዲ ባሕሪ ሜድትራኒያን ዝጥቀሙ ዝነበሩ'ዮም ኢሉ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  5. ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው ስደተኛታት

    "ሓደጋታት ጉዕዞ ኣጻምእ ሰሃራን፡ ነውጺ ማዕበል ማእከላይ ባሕርን፡ ካብ ዝኽሪ ነብሲ ወከፍ እቶም በቲ መገዲ ዝመጻእና ስደተኛታት ተኸዊሉ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ዘሕዝን እቲ ስቓይን መከራን፡ ሕማምን ሞትን፡ መሸጣን ጭውያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ክደጋገም ምጽንሑ እዩ" ይብል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ኣርኣያ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. ስደተኛታት

    ኣይኦኤም ኣብ መግለጺኡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት፡ ብውሕዱ 5000 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዩን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናብ ሊብያ ከምዝተመለሱ ብመግላጽ ኣብ ውሽጢ ሊብያ ዝግበረሎም ዘሎ ኣተሓሕዛ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፈአ ይምጽእ ምህላዉ ሓቢሩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዕጡቃት ሓይልታት ስልጣኖም ኣረኪቦም

    ሊብያ፡ እቲ ብኔቶ ዝድገፍ ኣብታ ሃገር ዝተለዓለ ናዕቢ ንመራሒ እታ ሃገር ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ሰልጣን ምስ ኣለዩ ርግኣት ዘይሰፈና ሃገር እያ ኮይና ዘላ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ሊብያ

    ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነብረ እገዳታት ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስ ነቶም ተዋጋእቲ ኣካላት ይድግፋ ምህላወን ገሊጹ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  9. ሊብያ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት

    ቤት ጽሕፈት ዩኤንኤችሲኣር ሊብያ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንዘልዓልዎ ሕቶ ይርእይ ከምዘሎ ገሊጹ::

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  10. እቶም ሎሚ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ናይቲ ትካል ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ኤርትራውያን ስደተኛታት

    እቶም ሎሚ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ናይቲ ትካል ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ስደተኛታት፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ፡ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸንሐት ሊብያ ሓዲግ ዝተረፉ'ዮም።

    ተወሳኺ ንባብ
    next