ስነ-ፅሑፍ

  1. ሜሮን ሃደሮ ፈላሚት ኢትዮጵያዊት ተዓዋቲት ሽልማት ኣኮ ኬይን ኮይና

    እቲ ኣብዚ ሽልማት ዝተዓወተትሉ ጽሑፍ ጌቱ ብዛዕባ ዝተባህለ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ፡ እዚ ህጻን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ናይ ወጻኢ ረድኤት ዝህቡ ትካላትን ዘሕድሩዎ ጸቕጢ ንምስዓር ዝገብሮ ጻዕሪ ዝትርኽ እዩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  2. ቶማስ ከኒሊ

    ኣብ ከባቢና ቶማስ ከኒሊ በታ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፋ መጽሓፍ'ዩ ዝፍለጥ። ብ1987፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ምዃኑ'ዩ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ በጺሑ ምስ ተመልሰ በቲ ዝተዓዘቦ ኵነታት ተጋደልትን መነባብሮ ህዝብን ተመሲጡ፡ ኣብ ክዉን ዝተመስረተ ልቢ-ወለድ "Towards Asmara" ("ናብ ኣስመራ ገጽና") ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዘበርከተ ዝዝከር'ዩ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  3. ቺንዋ ኣቸበ

    እዛ ፈለማ ብ1958 ዓመት ዝተሓትመት መጽሓፍ፡ ማለት ደራሲ ኣብ 28 ዕድሚኡ፡ ልዕሊ 20 ሚልዮን ቅዳሓት ተሸይጣ፡ ኣብ 50 ቋንቋታት ተተርጒማ: ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ድማ ከም እምነ-ምዕራፍ 'ያ ትርአ። ኣብ ናይጀርያ ይዅን መላኣ ዓለም ከም ዓይነተኛዊትን ዘመናዊትን ኣፍሪቃዊት ናይ እንግሊዘኛ ድርሰትን'ያ ትሕሰብ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  4. Video content

    Video caption: "ምምያ ኣብ ምዕቃብ ክብርታት ኤርትራ ኣበርክትኡ ዕዙዝ'ዩ" ሰሎሞን ድራር

    ደራስን ዳይሬክተርን ሰሎሞን ድራር፡ ስነ ጥበብ ብፍላይ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ይዓቢ ከምዘሎ ይዛረብ። ኣብ ኤርትራ በብዓመቱ ልዕሊ ሓደ ምኢቲ መጽሓፍቲ ከምዝፈርዩ'ውን ተዛሪቡ።

  5. ቤተ መጽሓፍቲ

    ሎም መዓልቲ፡ ንኣፍቀርቲ መጽሓፍ ክብሪ ዝወሃበሉን ዝነኣድሉን መዓልቲ'ዩ። መጽናዕታት ከም ዝሕብሩዎ፡ መጽሓፍ ምንባብ ንምዝናይ ጥራሕ ዘይኮነ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና'ውን ረብሓ ኣለዎ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  6. ብገጻት መጽሓፍቲ ዝተሰርሐ ናይ ልቢ ምስሊ

    መጽሓፍ ምንባብ ነቲ ብስራሕን ጭንቀተን ሻቕሎትን ዝሰልከየ ኣእምሮና ብምዝናይ መንፈስና ፍስሃ ከምዘውርደሉን፡ ምስ ስድራቤትና ብፍላይ ምስቲ ሕበረተሰብ ብሓፈሻ ድማ ሕዉሳት ክንከውን ይገብረና። መጽሓፍ ምንባብ ነቲ ዝተረበሸ መንፈስና ፍስሃ የውርደሉ ይብሉ እቶም መጽሓፍ ብምንባብ ዝፍውሱ [ቢብሊዮቴራፒስት- bibliotherapist]።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  7. ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ፡ ሙሁር ቋንቋታት ትግርኛን ግእዝን

    ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ከም ዝነበረ ዝዝንተወሉ ፈላስፋ ዘርኣ ያእቆብ፡ መርኣያ ኣብቲ ዘበን ዝነበረ ንቕሓት ሕሊና ኮይኑ፡ ተለጣጢ ኣብ ዝኾነ ዓለም ብግዘ መንፈስ ዝሕደስ ኣተሓሳስባ ክዓቢ ከም ዘለዎ ዘርኢ ፈላስፋ'ዩ ነይሩ ይብል፡ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ።

    ተወሳኺ ንባብ
    next
  8. ብዝተፈላለዩ ደረስቲ ዝተጸሓፉ መጻሕፍቲ

    ዘበናዊ ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ፡ ሎሚ በፂሕዎ ኣብ ዘሎ ብርኪ ዘብፅሕዎ ሽማግለ ፀሓፍቲ፡ ብካልእ ቋንቋ ኣፎም ዝፈትሑ እዮም።

    ተወሳኺ ንባብ
    next